ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ: ሓይልታት መንግስቲ ዳግም ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, GOVERNMENT COMMUNICATION/FB
ኣብ ኢትዮጵያ: ብመሰረት ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ: ኣብቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት መንግስቲ ኣትዮም ዝተብሃሉ ከባብታት ሰዓት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ።
ነቲ ህጹጽ ግዜ ዝከታተል ‘እዚ’ ከምዝበሎ: ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ዝፀንሑን ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት መንግስቲ ዝኣተዉ ከባብታት፡ “ድሕነትን ንብረትን ህዝቢ ንምሕላው ክበሃል ንዘይተወሰነ ግዘ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ” ከምዘሎ ሓቢሩ።
በቲ መምርሒ መሰረት: ኣብቶም ከባብታት ካብ ምሸት ሰዓት 12፡00 ክሳብ 12፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ እቲ ሰዓት እቶ እቶ ተግባራዊ ከምዝኸውንን፡ ኣብ በብከባቢኡ ዘለዉ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ንሕብረተሰብ ከፍልጡን፡ ከምኡ’ውን ተግባራውነቱ ክከታተሉን ሓላፍነት ሂቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ዝኣተው ከባብታት፡ ምስ ሓይልታት ፀጥታን መንግስቲ እቲ ክልልን ዝምደብ ኮሚቴ ሲቪል ምምሕዳር ብህፁፅ ክጣየሽ ወሲኑ።
እዚ ኮሚቴ፡ “ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ትካላት መንግስቲ፣ ንብረት ውልቀሰባት፣ ህዝባዊ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ዝበፅሐ ዕንወት ዘርእዩ መረዳእታታት ከይጠፍኡ ክሕልው፣ ክምዝግብ፣ መረዳእታት ክስንድን ኣካላት ፍትሒ’ውን እቶም መረዳእታት ንዝምልከቶ ኣካል ከረክቡን” ኣዚዙ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ሂወትን ንብረትን ሲቪላት ከምኡ’ውን ትካላት ውልቀን መንግስትን ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀሙ ብምግላፅ፡ ተፈፂሙ ንዝበሃል ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩ’ዮም ብተደጋጋሚ ዝፅውዑ።
ሰራዊት መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ጭፍራ፡ ላሊበላን ጋሸናን ዝርከቦም ኣገደስቲ ከተማታትን ቦታትን ካብ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዝዑ ይገልጹ ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ገለ ወሰንቲ ከባብታት ባዕሎም ከምዝሰሓቡን ብመንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ሓቂ ከምዘይኮ እዮም ዝገልጹ።
እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ፡ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ኣዋጅ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን፡ እገዳታትን ገደባትን ከንብሩን ስልጣን ዝህብ'ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንምፍፃም ዝወፅአ መምርሒ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ወይ ድማ ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት እታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ናይ ምእዋጅ ስልጣን ዝህብ’ዩ።
እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኾን ኵናት ትግራይ፡ ናብ ኵናት ሕድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ።
ሰራዊት ኢትዮጰያ ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ፣ ጋሸናን ኣብ ክልል ዓፋር ትርከብ ጭፍራን ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዝዐን መንግስቲ ኣፍሊጡ’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ "ውሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ጌርና ኣለና" ክብሉ ካብ ገለ ተቐጻጺሮምዎም ዝጸንሑ ቦታታት ከምዝሰሓቡ ትማሊ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም። ካበየኖት ቦታታት ከምዝወጹ ግን ብንጹር ኣይጠቐሱን።
እቲ መግለጺ፡ "ብናይ ባዕልና ተበግሶን ንወሳኒ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ዝጥዕም ኣንፈት ምትዕርራይ ንገብሮ ኣለና" ይብል።
ብሰንኪ ምቁራፅ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታት ብናፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







