ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሽድሽተ ሃገራት ምዕራብ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩ ደው ክብል ፀዊዐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ሽድሽተ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከምዘሻቐለን ገሊፀን።
ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስን ዓባይ ብሪጣንያን፡ መንግስቲ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ብሄሮም መሰረት ብምግባር ብዘይ ክሲ ይኣስር ኣሎ ኢለን።
ሽድሽቲአን ሃገራት ብድሕረ ገፅ (መርበብ ሓበሬታ) ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣዝዩ ከምዘሻቐለን ኣፍሊጠን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ “ንሓደ ብሄር ፈሊኻ ንምእሳር ምኽንያት ክኾን ኣይግባእን” ክብላ ድማ፡ ስግኣተን ገሊፀን።
ኣብ መግለፂአን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝፀርሓ እዘን ሃገራት፡ ማእሰርቲ ኣቕሽሽቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፣ ኣረጋውያን፣ ኣደታት ምስ ደቀን ሓዊሱ መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ከምዘሎ ኣፍሊጠን።
ኣብ ኢትዮጵያ “ሰባት ከይተኸሰሱ ይእሰሩ ኣለዉ፣ ናብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣይቀርቡን። ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት’ዮም ተኣሲሮም ዝርከቡ” ኢለን።
እዚ ማእሰርቲ ዜጋታት ዓለምለኸ ሕግታት ዝጥሕስ ከምዝኾነ ዝገለፃ እዘን ሃገራት፡ ብቕልጡፍ ደው ክብል ድማ ፀዊዐን።
ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዘሎ ክፅብፅባ ፀኒሐን እየን።
ሰብመዚ ኢትዮጵያን ፖሊስ እታ ሃገርን ግና፡ እቲ ማእሰርቲ መንነት መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ ምስ ጉጅለታት ራዕዲ ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ውድባት ርክብ ንዘለዎምን መረዳእታ ዝተረኸቦምን ዝዓለመ እዩ ይብሉ። ኣብዚ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት’ውን ከምዝተኣሰሩ ይገልፁ።
ኵናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ዝእውጅ ንነዘ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታትን ተወለድቲ ትግራይ ብብዝሒ ይእሰሩ ከምዘለዉ ስድራ ግዳያትን ነበርትን ንቢቢሲ ምግላፆም ይፍለጥ።
ብዙሓት ዓለምለኸ ትካላትን ኤምባሲታትን’ውን ሰራሕተኛታተንን ዜጋታተንን ካብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክወፁ ፃውዒት የቕርባ ኣለዋ። እዞም መጠንቀቕታት ሕዚ'ውን ተጠናኺሮም ቀፂሎም ኣለዉ።
ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝዛመድ ንዝፍፀሙ ፆታዊ ዓመፅን ካልኦት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ድማ ኮኒነን።
ዓለምለኸ ኣካላት ብቕልጡፍ ዘይተገደበ ምብፃሕ ንክገብሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ድማ ፀዊዐን ኣለዋ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ: ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ተፃባእቲ ሓይልታት ግፍዒ ከምዝፈፀሙ ኣፍሊጡ’ዩ።
“ሕዚ’ውን ተሳተፍቲ እቲ ጎንፂ ብዝኾኑ ኩሎም ኣካላት ዝፍፀሙ ግህሰታት ዝሕብሩ ፀብፃባት ይወፅኡ ኣለዉ” ይብል እተን ሃገራት ዘውፅእኦ ሓበራዊ መግለፂ።
ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት፡ ሲቪላት፣ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰልን ሓኻይምን ኣብ ምሕላው ዓለምለኻዊ ሕግታት ከኽብሩ ድማ ኣተሓሳሲበን።
እቲ ኵናት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ዝገለፃ ሽድሽቲአን ሃገራት፡ “ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝተፈፀሙ፣ ሕዚ ይፍፀሙ ዘለዉን ኣብ ቀፃሊ ዝፍፀሙን መጥቃዕትታት ንኹንን” ኢለን።
ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናብ ድርድር ክመፁን ኣብ ኵናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅእን ድማ ፀዊዐን።
“ኢትዮጵያውያን ንኹሉ ኣብ ዘካተተ ፖለቲካዊ ልዝብን ሃገራዊ ምርድዳእን ክበፅሑ ይግባእ” ክብላ እውን ተማሕጺነን።
እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ዘሎ ኵናት ሂወት ኣሽዓት በሊዑ፣ ጠንቂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ምምዝባል ሚልየናትን ኮይኑ፣ ሚልየናት ድማ ንጥሜት ኣቃሊዑ’ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ቁፅሪ ናይቶም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልየን ከምዝበፅሕ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







