ቅትለት ከረዩ ኣባ ገዳ፡ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ክልል ኦሮምያ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ምንጪ ስእሊ, Socila Media
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ምብራቕ ሽዋ ንወረዳታት ቦሰትን ፈንታሌን ዘዋስን ካራ ወይ ከኣ ሞቶማ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ሓደ ኣባ ገዳ ከረዩ ዝኾነ ከድር ሃዋስ ቦሩ ይርከቦም።
መንግስቲ እቲ ክልል፡ ንኣባ ገዳ ከድር ሃዋስ ዝቐተሎ 'ሸኔ' ዝተብሃለ ብግብረ ሽበራ ዝተበየነ ጉጅለ እዩ ኢሉ ይኸስስ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ስድራ እቶም ዝተቐትሉን ነበርቲ እቲ ከባብን ግን፡ ነቲ ኣባ ገዳ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 14 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከም ዝተቐትሉ እዮም ዝገልጹ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ ኣባ ገዳ ሓዊሱ ብሓይልታት መንግስቲ ዝተቐትሉ ሰባት 23 ምዃኖም ይገልጽ።
ብዛዕባ እቲ ቕትለት እንታይ ንፈልጥ?
እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ ከረዩ ኦሮሞ ስነ ስርዓት ገዳ ኣብ ዘካይድሉ አዋን ኮይኑ፡ ስልጣን ገዳ ዘለዎም ሰባት ሰፊሮምሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝኾነ በቲ መጥቃዕቲ ሓዉ ዝተቐትሎ ናባሪ ወረዳ ፈንታሌ ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ 22 ሕዳር 22/2014 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ሓይልታት ጸጥታ ኣባ ገዳታት ተኣኮቦም ዝነበርሉ ቦታ ከቢቦም ብምሓዝ 41 ሰባት ሒዞም ከይዶም።
እቲ ሓዉ ዝተቐትሎ ነባሪ ከምዝብሎ፡ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተወስዱ 14 ሬሰኦም ተደርብዩ ዝተረኸበ ኾይኑ፡ ክልተ ሰባት ድማ ኣምሊጦም መጺኦም፤ ዝተረፉ ግና ናበይ ከምዝኣተዉ ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣባ ገዳ ከረዩ ዝተቐትሉ ብኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ እዩ" ኢሉ። እቲ መግለጺ፡ ካብቶም መራሕቲ ኣባ ገዳ ወጻኢ ብዛዕባ ቅትለት እቶም ካልኦት ሰባት ዝበሎ የለን።
"ህዝቢ ከረዩ ንመንግስቲ ድጋፍ እንትወጽእ ዝተኸታተለ ሸኔ፤ 'ህዝቢ ተላዕለለይ ዘለኻ ንስኻ ኢኻ' ኢሉ ንኣባ ገዳ ከረዩ ከድር ሃዋስ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ቀቲሉዎም" ይብል መግለጺ እቲ መንግስቲ።
ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮም እናበለ ዝጽውዕ እቲ ጉጅለ፡ መንግስቲ ሸኔ እናበለ ዝጽወዖ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ባይቶ ቤት ምኽሪ ምስ ህወሓት ሓዊሱ 'ጉጅለ ራዕዲ' ኢሉ ከምዝበየኖ ዝዝከር እዩ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮም ብወገኑ፡ ነቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ምቕታሎም ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ" ኢሉ።
"ሓይልታት መንግስትን ውድብ ብልጽግናን፡ ሰላማውያን ሰባት ጸጥ ንምባል ዓሊሞም ዝፈጸምዎ ቅትለት እዩ" ኢሉ።

ነበርቲ ኸ እንታይ ይብሉ?
ሓይልታት ጸጥታ ካብቶም ኣኪቦም ዝወሰዱዎም 41 ሰባት ነቶም ኣወዳት ፈልዮም ከምዝገረፍዎም እቲ መእንተ ድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደሊ ሓው እቲ ግዳይ ይዛረብ።
ካብቶም ብሓይልታት መንግስቲ ሚጤ ናብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተወስዱ ሰባት እቶም ክልተ ኣምሊጦም ምምጸኦም ድማ ይዛረብ።
ንሱ፡ እቶም 14 ሰባት ብኸመይ ከምዝተቐትሉ ካብቶም ዘምለጡ ከምዝሰምዐን ምስ ካልኦት ኮይኑ ሬሰኦም ኣብ ምልዓል ከምዝተሳተፈን ወሲኹ ይዛረብ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ፡ 40 ሰባት ከምዝተወስዱን ንኣባ ገዳ ከድር ሃውስ ሓዊሱ፡ ረቡዕ ምሸት 14 ከምዝተረሸኑ ተዛሪቡ።
እዚ ነባሪ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣባ ገዳ ከድር ሃዋስ ኣብ ወረዳ ቦሰት፡ ቃዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ወሲኹ ይዛረብ።

ረቡዕ ምሸት ምስተቐትሉ ሬሰኦም ክሳብ ሓሙስ ምሸት ከይተልዓለ ከምዝጸንሐ ክልቲኦም ነበርቲ ይዛረቡ።
ናይቶም ሰባት ስነ ስርዓት ቀብሪ ድማ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝዛረቡ።
ክልቲኦም ነበርቲ ከምዝብልዎ፡ እቶም 41 ሰባት ተትሒዞም ዝተወስዱ ብናይ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ክዳን ዝተኸድኑ ሰባት እዩ።
'ቅድሚ እቲ ቕትለት ጎንጺ ነይሩ'
ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ሓይልታት ጸጥታ መንነቶም ምስ ዘይተፈልጡ ሰባት ውግእ ኣካይዶም ምንባሮም እቲ ሓው ዝተቐትሎ ነባሪ ይዛረብ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ቀዲሙ ወረዳ ፈንታሌ ምስ ዓፋርን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ እትዋሰነሉ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ከቢድ ጉድእት ከምዝበጽሐ ሰሚዐ ነይረ።
እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ምስዚ ብዝተኣሰሰር ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግምት።
እንተኾነ፡ እቲ ነባሪ ከምዝብሎ "ኣባ ገዳታት ጎንጺ እንትህሉ የተዓርቑ ምበር ኣብ ኲናት ኣይሳተፉን" ኢሉ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







