መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ ንምንታይ እዮም መንእሰያት ኦሮሞ 'ተጠሊምና' ዝብሉ?

ኣብ 2017 ዝነበረ ተቃውሞታት ኦሮሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዓብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ህዝቢ ኦሮሞ መቑሑ ዝተፈተሓሉ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዕዎ።

ኣብይ ኣሕመድ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ስለዝኾነ ሕርቃን ናይቲ ህዝቢ ይፈልጦ’ዩ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ነቲ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞታት መሪሑ’ዩ ቅድሚ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ገይሩ።

ህዝቢ ኦሮሞ ተቃውሞኦም ንምግላጽ ክልቲኡ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሶም ገይሮም ናይ መስቀል ምልክት ክገብሩ እንከለዉ ኣብይ ኣሕመድ ትርጉሙ ኣጸቢቑ ይርድኦ’ዩ፡፡ እዚ ምልክት እዚ ኣብ ኦሎሚፒክ ርዮ ፈይሳ ለሊሳ ምስ ደገሞ ኸኣ ዓለም ኣቓልቦ ክትህቦ ጀሚራ።

ፈይሳ ለሊሳ 2016.

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና “ብዙሓት ሰባት ንኣብይ ኣሕመድ ከም ሓዲሽ መሲሕ [መድሓኒ] እዮም ርእየምዎ” ይብል።

ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ካም ካልኣይ ዜጋ ዝተቖጸረ ኮይኑ እዩ ዝስምዖ ነይሩ።

ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ኣዝዩ መቋሸሺ ዝኾነ ቅጽላት ይውሃቦም ነይሩ’ዩ፡፡ እዚ ዘስዓቦ ገለ ገለ ሰባት ንገዛእ መንነቶም ከምዝጸልኡ ይገብሮም ነይሩ።

ክልላት ኢትዮጵያ ክፈላለያ እንከለዋ ኣብ ዓሌት ተሞርኵሰን ስለዝተሓንጸጻ፡ ዝበዝሑ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ’ዮም ዝነብሩ።

ኣብታ ብክልል ኦሮምያ ዝተኸበበት ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ቋንቋ ኦሮሞ እንተተዛሪቦም ሓላፊ መንገዲ ተጸዊጉ ዝርእየሎም እዋን ነይሩ እዩ፡ ዋላ ኣብ ኣውቶቡስ።

እዚ ጸቕጥታት እዚ ኣብ ወለዶ’ ቁቤ’ [ትርጉሙ ፊደል ማለት’ዩ’] ድምጺ ረኺቡ።

እቲ ፊደል ዝብል ስም፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ብቋንቋ ኣዲኦም ክምሃሩ ስለዝጀመሩ’ዩ ተዋሂብዎም።

‘ቁቤ’ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ’ውን ነይርዎ’ዩ፤ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ካብ ፊደላት ግእዝ ርሒቑ ብናይ ላቲን ፊደላት ክጽሓፍ ውሳነ ዝተውሃበሉ ስለዝነበረ፡ ትምህርቲ እናሰፈሐ ምስ ከደ ኸኣ ፖለቲካዊ ምብርባር እናፈጠረ ከይዱ።

ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጽንዕ ፈይሰል ሮብለ ነዚ ኣመልኪቱ “ብዙሓት ኦሮሞ ብቋንቆኦም ክምሃሩ ምስ ጀመሩ ንታሪኾም ምስ ታሪኽ ከም ብዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ከዛምድዎ ጀሚሮም፤ እቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ተሳትፎ ዝውሃቦም ዝነበረ ኮታ ኸኣ ዘይጽወር ምዃኑ ክበርሃሎም ጀሚሩ” ይብል።

“እቲ ጭካነታት ተጋኒኑ’ዩ”

ምስ ትምህርቲ፡ ኢትዮጵያ ከመይ ኢላ ኣብ እዋን ሃጸይ ምኒሊክ ከምዝተመስረተትን መሬቶም ከመይ ገይሩ ከምዝተዘመተን መንእሰያት ኦሮሞ ክርድኦም ጀሚሩ።

እንተኾነ ነቲ ዛንታ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣይኮኑን በቲ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝርድእዎ ዓይኑ ዝርእይዎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር መምህር ዝኾነ መንቸለ መሰረት፡ እቶም ምኒሊክ ፈጺምዎም ዝብሃሉ ጭካነታት መሰረት ዘይብሎምን ንፖሎቲካዊ መኽሰብ ተባሂሎም ዝብሃሉን’ዮም ይብል።

“ዝበዝሐ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ብጸሓፍቲ ታሪኽ ዝተጽሓፈ ኣይኮኑን፤ ብፖሎቲከኛታት ዝተጽሓፈ እዩ፡፡ ከም ኣብነት እቲ ምኒሊክ ሓሙሽተ ሚልዮን ተወለድቲ ኦሮሞ ቀቲሉ ዝብል ክንወስድ ንኽእል ኢና” ይብል።

ብምስዓብ “ምልስ ኢልና ነቲ ግዜ እንተፈቲሽናዮ፡ ኣብቲ እዋን ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ሓሙሽተ ሚልዮን ኣይበጽሕን’ዩ ነይሩ”ይብል።

ብድሕሪኡ’ውን እንተኾነ ህዝቢ ኦሮሞ ንክንብርከኽ ብቁጠባውን ብባህልን ይሰርሓሉ ከምዝነበረ እዩ ፈይሰል ዝዛረብ።

ፈይሰል እቲ ንኣርባዓ ዓመታት ንኢትዮጵያ መሪሑ ኣብ 1974 ብደርጊ ዝተዓለወ ስርዓት ሃይለስላሰ ንህዝቢ ኦሮም “ዘይስልጡን” ህዝቢ ኢሉ ይገልጾ ምንባሩ ይሕብር።

ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

“ሓደ ካብ ዕላማታት ናይ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ናብ ኣምሓራ ምቕያር ዝብል እዩ ነይሩ፡፡ብመደብ ኸኣ ብዙሕ ተወላዲ ኦሮሞ ብናይ ኣምሓራ ስም ከምዝጥመቕ ይግበር ነይሩ፡ እዚ ድማ ንብዙሓት ኦሮሞ ባህላዊ ስሞምን ባህሎምን ከምዝስእኑ ገይርዎም’ዩ” ይብል።

እዞም ድሒሮም ‘ወለዶ ፊደል’ ዝብል ስም ዝተውሃቦም ወለዶ ግን ኣንጻር እዚ ብምቅላስ ንባህላዊ መንነቶም ኣብ ምዕቃብ ቃልሲ ጀሚሮም፤ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ቋንቋ ኦሮሞ ሓደ ካብ ሃገራዊ ቋንቋታት እታ ሃገር ከምዝኸውን ገይሮም፡፡ ኣብታ ፊንፊነ ኢሎም ዝጽውዕዋ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ብዘይ ስክፍታ ብቋንቆኦም እናኣውግዑ ሸናዕ ክብሉ ጀሚሮም።

መጀመርታ እሱር ፖሎቲካ ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ኣዝዩ ጸላዊ ዝኾነ፡፡ ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞታት ህዝቢ ኦሮሞ ደርፍታቱ ኣብ ነብሲ ወከፍ ልሳን ኦሮሞታይ ዝወቐረ ድምጻዊ ሃጨሉ ሁንዴሳ ኸኣ ነቲ ዳሕረዋይ ርእሰ ተኣማንነት ኣብ ምህናጽ ዓቢ ግደ ነይርዎ’ዩ።

ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኦሮሞ መበቆሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ምስ ተመረጸ ኸኣ ብዙሕ ተቐይሩን እቲ ፈንጠዝያ ሰማይ ዓሪጉን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምርኢት ቅዲ ክዳን ህዝቢ ኦሮሞ ክካየድ ጀሚሩ - 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምርኢት ቅዲ ክዳን ህዝቢ ኦሮሞ ክካየድ ጀሚሩ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምርኢት ቅዲ ክዳን ህዝቢ ኦሮሞ ክካየድ ጀሚሩ።

እሬቻ ዝብሃል ዓቢ ብዓል ህዝቢ ኦሮሞ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጸንቢሉ።

እሱራት ፖሎቲካ ተፈቲሖም፡ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ ሚድያ ጸላዊ ዝኾነ ጃዋር መሓመድ ካብ ስደት ተመሊሱ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ዝተረፈ ሕጽረታትን ጸገማትን ህዝቡ ከቃልሕ ጀሚሩ።

‘ጅግና ተቐቲሉ’

ኣብይ ኣሕመድ ፖሎቲካዊ ለውጥታት ከምዘተኣታተወ ምስ ሓበረ፡ ነቲ ህንዱድ ለውጥታት ዘየቕሰኖም ነይሮም እዮም፡፡ ውሩይ ናይ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ናይ ሞት ምፍርራሓት ይመጽኦ ምህላዉ ምስ ሓበረን ከይጸንሐ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ምስ ተቐተለን ግን እቲ ዘይርግኣትን ዘይቅሳነትን መሊሱ ብኢሱ።

ነቶም ወለዶ ፊደል ተባሂሎም ዝግለጹ መንእሰያት ኦሮሞ፡ ጅግነኦም ተቐቲልዎም።

ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ

ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ማዕበላዊ ዘይርግኡነት ፈጢሩ፤ ብሰንኪ እቲ ድሕሪ ሞቱ ዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጭታት ልዕሊ 160 ሰባት ተቐቲሎም፡፡ ከም ብዓል ጀዋር መሓመድ ዝኣመሰሉ ግኑን ስም ዘለዎም ተወለድቲ ኦሮሞ ኸኣ ግብረ ሽበራውንን ምልዕዓል ዓመንጽን ዝብል ክሲ ተመስሪትዎም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ።

መንቸለ፡ ከምዚ ዓይነት ዕግርግራት ኣብ ዝልዓለሉ፡ ዋላ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ይኹን፡ ልዕልና ሕጊ ከኽብር ከምዝግደድ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ምስ ቅትልት ሃጫሉ ተታሓሒዙ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ብዓል ጃዋር መሓመድ፡ ከም ብዓል ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝኣመሰላ ኣብ ኦሮሞ ግኑን ስም ዘለወን ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ካብቲ ሰኑይ ዝጅምር ሻዱሻት ሃገራዊ ምርጫ ከምዘንሳሕባ ገይርወን እዩ።

ኣቦ ወንበር ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና “እቲ ባይታ ናይ ፖሎቲካ እንተሪኢናዩ እናጸበበ እዩ መጺኡ፡ ንኣብነት እንተወሲድና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ኦሮምያ 206 ኣብያተ ጽሓፈት ነይሩና ሕጂ ግን ሰለስተ ጥራይ ኢና ሒዝና ተሪፍና” ይብል።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ንውድብ ኢህወደግ ብምብታን ዝመስረቶ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝኾነ መወዳድርቲ የብሉን።

ውድብ ኢህወደግ ብህወሓት ተዓብሊሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ውድብ እዩ ነይሩ።

እቲ ንህወሓት ዘቖመ ህዝቢ ትግራይ ኸኣ 7 ሚኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ዝውክል፡፡ ህዝቢ ኦሮሞ ተቃውሞታት ንኸልዕል ምኽንያታት ካብ ዝነበሩ’ውን ዕብላለ ህወሓት እዩ።

እቲ ዝተልዓለ ተዋውሞታት ኸኣ ንኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣምጺእዎ።

'መደመር'

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ዝኾኑ ብሄራት’ዮም ዘለዉ፤ ኣብይ ኣሕመድ ኸኣ ኣብ ብሄር ዘይተመስረታ ሰልፍታት ክቖማ ዝብል ሓሳባ እዩ ዘለዎ።

ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብታ ‘መደመር’ ዝሰመያ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ መጽሓፍ መደመር ምስ ምምስራት ሰልፊ ብልጽግና ኣሰንዩ እዩ ኣመሪቕዋ።

መንቸለ “ንሓድነትን ንምድማርን ምጽዋዕ ሓደ ጽቡቕ ነገር እዩ” ድሕሪ ምባል “ንኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተሪኢናያ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ዝኸፈአ መድረኽ እዩ በጺሑ ዘሎ፤ ንስኻ ብሄርና ኣይኮንካን እናተባህሉ ዝቀታተልሉ ኩነታት ንርኢ ኣለና” ይብል።

ሓወልቲ ምስሊ ሃጸይ ሃይለስላሰ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፈይሰል ብወገኑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንሰልፊ ብልጽግና ክምስርቶ እንከሎ ምስ ሓሳቡ ዘይሰማምዑ ንኽኣልዮም ኢሉ ዝኣለሞ እዩ ብምባል ንለማ መገርሳ ከም ኣብነት የልዕሎ።

ለማ መገርሳ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽኸውን ካብ ዝመረጽዎ እዩ፡፡ ንምምስራት ሰልፊ ብልጽግና ምስ ተቓወመ ግን ካብቲ ዝነበሮ መዝነት ሚኒስተር ምክልኻል ተሰጒጉ።

ፈይሰል፡ ሰልፊ ብልጽግና ንብዙሓት ጉጅለታት ማዕጾ ከምዘርሓወ ብምግላጽ እንተኾነ ‘ውልቀ ምልካዊ ስርዓት’ ንኽትከል ዕድል ዘጣጠሕ’ዩ ይብል።

ነቶም ዘይምእኩል ፈደራላዊ ስርዓት ዝደልዩ ብዙሓት ናይ ኦሮሞ ፖሎቲከኛታት ኸኣ ማሕለኻ ምዃኑ ፈይሰል ይገልጽ።

ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና “እቶም ደቂ ሹቕ ወሲደሞ እዮም” ብምባል ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ንመንእሰያት ኦሮሞ ዝኣተወሎም ቃል ረሲዑ ምስ ብሄረ ኣምሓራ ይደናገጽ ከምዘሎ ይገልጽ።

ፋይሰል ብወገኑ “ኣብይ ኣሕመድ ብሄር ኣምሓራ ነቶም ልሂቓን፡ ሚድያን ሃብታማትን ከምዝቆጻጸሮም ኣስተብሂሉ፡ ንመላእ ኢትዮጵያ ንምቁጽጻር ምስ ናይ ኣምሓራ ስነ ሓሳብ ክጽጋዕ ዝመረጸ ይመስል” ይብል።

መጽሓፍ መደምር ምስ ተሓተመት፡ ኣብ ወርሓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ሃጸይ ሚኒሊክ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ ተሓዲሱ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ፡፡ ምስኡ’ውን ፓርክ ሓድነት ዝተሰመየ 15 ኤከር ስፍሓቱ መሬት ተደላዲሉ፡፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ብዓቐን ዝተሰረሐ ምስሊ ሃይለስላሴ ዘርኢ’ውን ተቐሚጡ ኣሎ።

ኣብይ ኣሕመድ ኩሉ እቲ ፕሮጀክት ብወፈያ ከምዝተመወለ እዩ ዝገልጽ:፡ መንቸል ግን ናይ ኦሮሞ ፖሎቲከኛታት ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ክጥቀምሉ ከምዝሓለኑ’ዩ ይዛረብ።

መንቸል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብመንገዲ ቋንቋ ይኹን ብመንገዲ ሰልፊ ብልጽግና ንኦሮሞ ንምድቋስ ሃቐነ ኣለዎ ኢሉ ከምዘይኣምን እዩ ዝሕብር።

“ኣብ ጉዳይ ቋንቋ እንተኾይኑ መንግስቲኮ ይሰርሕ ኣሎ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ቋንቋ ኦሮሞ ናይ ስራሕ ቋንቋ ይኹን ዝብል ጠለብ እንተሃልይዎ ጸገም ኣይኮነን” ይብል፡፡

ኣብይ ኣሕመድ፡ ትካላት ኣብ ምድልዳል ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ንብርቱኳን ሚደቅሳ ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ብምግባር፡ ንዳንኤል በቀለ ኸኣ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምግባር ዝወሰዶ ተበግሶ ኸኣ ከም ሓደ ነጥቢ ይግለጽ እዩ።

ብቱኳን ሚደቅሳን ዳንኤል በቀለን ኣብ 2005 በቲ ናይ ሽዑ መንግስቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም።

እቲ ብመንግስቲ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ንምንቃፍ ድሕር ዝብል ትካል ኣይኮነን፡፡ ኣብታ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚራ ብኵናት ትሕመስ ዘላ ክልል ትግራይ ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ’ውን ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ኣባል ዕጡቓት ጉጅለታት እዩ ተባሂሉ ኣብ ማእከል ከተማ ዝተፈጸመ ቕትለት ብምኹናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝክር።

‘ክልተ ስሕለቱ ሴፍ’

ኣብ ምዕራብ ምብራቕን ኦሮምያ ብዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብይ ኣሕመድ ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ብተደጋጋሚ ይንቀፈሉ’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ሰብ ቀሲኑ ዘይንቀሳቐሶ፡ ኣብ 21 ሰነ ምርጫ ዘይካደሉ ቦታታትን ብዙሕ እዩ።

ገለ ነበርቲ ምዕራብ ኦሮምያ ምስ ቢቢሲ ኣፋና ኦሮሞ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ሰለማውያን ሰባት ብሰራዊት ፌደራልን ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ((OLA) ይቕተሉ ከምዘለዉ ብምግላጽ “ብኽልተ ስሕለቱ ሴፍ ኢና ንቕተል ዘለና” ይብሉ።

መንቸል ብወገኑ ኣብይ ኣሕመድ ንከም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝኣመሰሉ ኣብ 2018 ናብ ዓዶም ክኣትዉ ምፍቃዱ፡ ብፍላይ እቶም ዕጡቓት ኣብ ቀዳማይ ስምምዕ ምስቲ ኩሉ ዘቕረብዎ ቅድመ ኩነት ክኣትዉ ምፍቃዱ ህዉኽ ምንባሩ ይጠቅስ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምስ ዕጥቖም ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ዕጥቆም ንኽፈትሑ ዝቐረበ ሕቶ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዘለዎ ኣርኣእያ ብዓይኒ ጥርጣረ ስለዝርኣይዎ ዕጥቆም ከውርዱ ፍቃደኛታት ኣይነበሩን።

ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና እዚ ምርጫ ነቶም ‘ወለዶ ፊደል’ ተባሂሎም ዝግለጹ መንእሰያት ኦሮሞ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽኣሎም’ዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

“ኣብ ሰላም ዘላ ሃገር ጥዑይ ምሕደራ ይህልዋ፤ እዚ ከኣ ናብ ጥዑይ ቁጠባዊ ምዕባለ ይመርሕ፡፡ መንእሰያትና ናብ የመን፣ደቡብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ብዕስለ ክስደዱ ንሞት ይቃልዑ ኣለዉ፡ እዚ ንኡስ ወለዶ ናይ ብሓቂ ለውጢ ይደሊ ኣሎ፡፡”