መረጻ ኢትዮጵያ: ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ናይ ተዓዛብነት ጠለብ ቦርድ መረጻ ነጺግዎ

ዋና ዳይረክተር ኢሰመኮ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ (ጸጋም)፡ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ብርቱኳን ሚደቅሳ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Empics

መግለጺ ስእሊ, ዋና ዳይረክተር ኢሰመኮ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ (ጸጋም)፡ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ብርቱኳን ሚደቅሳ (የማን)

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ ዝቕጽል ሰኑይ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ብተዓዛብነት ንምስታፍ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ፡፡

ነቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 14 ሰነ 2013 ዓ/ም ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ምዕዛብ ካብቶም ዕዮታት ሓደ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ቦርድ፡ ሕቶ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበሉ ምኽንያት፡ እቲ ኮምሽን ኣብ ዝርዝር ናይቶም መረጻ ክዕዘቡ ዝተፈቐደሎም ስለዘይተኻተተ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

እቲ ቢቢሲ ካብ እሙናት ምንጪታት ዝረኸቦ ደብዳበ፡ ዝተመሓየሸ ሕጊ መረጻ ብምጥቃስ ‘‘ኢሰመኮ ናይ ተዓዛብነት፣ ጋዜጠኝነት ወይ ናይ ፖለቲካዊ ውድብን ውልቀን ሕጹይ ወኪል ስለዘይኮነ፡ እቲ ቦርድ ናይ ይሕለፍ ካርድ ዝህበሉ ናይ ሕጊ ኣግባብ ብዘይምርካቡ ነቲ ሕቶ ተቐቢሉ ከተኣናግዶ ኣይከኣለን’’ ዝብል ምላሽ ሂቡ፡፡

እቲ 7 ሰነ 2013 ዓ/ም ተጻሒፉ ኣባል እቲ ቦርድ ብዝኾነ ኣይተ ውብሸት ኣየለ ጌጤ ዝተፈረመ ደብዳበ፡ ኣዋጅ መረጻ ዓንቀጽ 123 ብምጥቃስ ንዝተፈቐደሎም ሰባት ናይ ይሕለፍ ካርድ ከምዝወሃብ የብርህ፡፡

ብተወሳኺ ዓንቀጽ 48 ብምጥቃስ፡ ካብ ኣፈጸምቲ መረጻ፣ ካብ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ውልቀ ተወዳደርትን፣ ኣባላት ኮሚቴ ሰማዒ ቅሬታን ዝተፈቐደሎም ተዓዘብትን ወጻኢ ናብ ቀጽሪ ጣብያታት መረጻ ምእታው ከምዘይከኣል የመልክት፡፡

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰለት ብግዲኡ 8 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ: እቲ ውሳነ ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል ናብ ኣካቢት እቲ ቦርድ ጥርዓን ኣቕሪቡ፡፡

ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እቲ ኮምሽን ብምጥቃስ፡ ነቲ ኮምሽን ካብ ዝተውሃብዎ ተግባራትን ሓላፍነታትን ሓደ ምዕዛብ መረጻ ዝብል ከምዝኾነ የረድእ፡፡

እቲ ቦርድ ናብቲ ኮምሽን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እቲ ኮምሽን፡ ኣብ እዋን መረጻ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ክትትል ክገብር ስልጣን ከምዝህቦ ከምዝግንዘብ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እንተኾነ ነዚ ናይ ምዕዛብ ስራሕ ፡ እቲ ኣዋጅ መረጻ ናብ ጣብያታት መረጻ ከእቱ ዘኽእል ናይ ይሕለፍ ካርድ ኣብ ዝወሃቦም ኣካላት ኣየካትቶን ኢሉ፡፡

እቲ ብሓላፊ እቲ ኮምሽን ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ዝተፈረመ ደብዳበ፡ ካብ ዝጠቐሶም 10 ነጥቢታት እቲ ካልኣይ ነጥቢ ‘‘እቲ ኮምሽን እዝን ካልኦት ሓላፍነቱን ዝዋጻእ ኣብ ጣብያትት መረጻ ተረኺቡ እውን እዩ’’ ብምባል ዝተኸራኸረ ኮይኑ ‘‘ንኣብነት ጣብያታት መረጻ ንጉዱኣት ኣካል ተበጻሕቲ ምዃኖም ንምርግጋጽ ኣብ ጣብያ መረጻ ተረኺቡ የጻርይ ’’ ክብል ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ዓለምለኻዊ ናይ መረጻ ሰብኣዊ መሰል ክትትል ስራሕ ኣዐርዩ ዝተለመደ እዩ ዝበለ እቲ ደብዳበ፡ እዚ ድማ ብሄራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዘሳትፍ እዩ ኢሉ፡፡

‘‘እቲ ቦርድ ድማ ስራሕቲ ክትትል ሰብኣዊ መሰላት እቲ ኮምሽን ምሕጋዝን ምስላጥን ክፍጽሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ተግባር እዩ፡፡’’

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕዚ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ባጅ ተዋሂብዎም እቲ ከይዲ ከምዝተዓዘቡ ኣዘኻኺሩ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሮን ማሾ፡ ኣብ መንጎ እቲ ቦርድን እቲ ኮምሽንን ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደብዳበታት ግን ርእይቶ ኣይሃበን፡፡

እንተኾነ፡ እዚ መረጻ ብመዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓሸ ንምግባር ንኣዋርሕ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ኣብ መዓልቲ መረጻ ክፍጸሙ መደብ ዝተትሓዘሎም ተግባራት እውን ምስዚ ዝተተሓሐዙ ከምዝበሩን ጠቒሱ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ካብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡

ኣብቲ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲታት ዝካየድ ክልላውን ሃገራውን መረጻ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተዓዘብቲ ከምዝዋፈሩ ተገሊጹ፡፡