ምርጫ ኢትዮጵያ 2021፡ ንይምሰልዶ ዳግመ-ልደት ደሞክራሲ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ፡ ነቲ መራሒኣ እታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ እትገብሮ ፈተነ ዝበሎ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ምቅርራብ ኣላ።
እንተኾነ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ትሕቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ምሕሳም ምርጫ ብገለ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ጥራይ ዘይኮነ ብጥሜትን ስግኣታት ዓጸቦን እዩ ዝካየድ ዘሎ ይብል ወኪል ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣንድሪው ሃርዲንግ።

እዚ እዋን፡ ኢትዮጵያ ምስ ብቑጠባ ዝሓየላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምስራዕን ብቕልጡፍ ዝትርንዕ ዘሎ ደሞክራስን እትውንን ሃገር ምዃና እተርእየሉ እዋን ክኸውን እዩ ነይርዎ።
እሞ ኢትዮጵያ ክትገብሮ ትኽእል ዶ ትኸውን? እዚ ምርጫ ነቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ትግራይ ክእምት ይኽእል ዶ?
ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱር ንዝነበረት ብርትኳን ሚደቅሳ ካብ ስደት ብምጽዋዕ ሓላፊት ኮምሽን ምርጫ ክትከውን ብምግባራ ኣብ 2018 እያ እዚ ምርጫ ደሞክራስያዊ ክኸውን ድልየታ ብንጹር ኣርእያ።
ኣዝዩ ዘሕጉስ ምስግጋር
እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ኮነ ኪንዮኡ ንዘለዋ ዓብላሊ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈለየ መገዲ ክትከይድ ምምራጻ ኩሉ ብሓጎስ ዝተቐበሎ እዩ ነይሩ።
ብርትኳን ሚደቕሳ፡ ነቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምድላዋት እቲ ኮምሽን ኣመልኪታ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢና ዘሎና" ኢላ።
ናታ ካብ ስደት ምምላስ፡ ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ፡ ምፍታሕ ተለጕሙ ዝነበረ ሚድያን ምኽታም ስምምዕ ሰላም ምስ ኤርትራን ተወሲኽዎ፡ ኣብቲ ጽምብላት ምስግጋር ንዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ድርዒ ኮይኑ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ስለቲ ዘመዝገቦ ዓወታትን ኣብ ሃገሩ ዝገበሮ ጽገናታት ንምትብባዕን ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡ።
ኩነታት ኢትዮጵያ ናብ ዓሌታዊ ዕግርግር ከየምርሕ ጥንቁቅ ኣተሓሕዛ የድልዮ ምንባሩ ብዙሓት ተዓዘብቲ ገሊጾም እዮም።
እቲ ነውጺ ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ክመዓራረይ ዝኽእል እኳ እንተዘይኮነ፡ ገለ ተመሳሳሊ ታሪኻዊ ወጥርን ሓደጋን ምህላው ንጹር እዩ።
ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ እቲ ትሕልንታዊ ኣጀንዳ ጽገና ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መስመሩ ኣሎ ምባል ይከኣል ዶ ይኸውን?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ውድቡ ብልጽግናን ኣብዚ ምርጫ ከም ዝዕወቱ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ ናይ "መደመር" ፖሊሲኡ ሓይሊ ዝህብ ክኸውን እዩ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ጭርሖ፡ ኣብዪ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓሌት ካብ ዝተመርኮሰ ስርዓት ፌደራሊዝም ናብ ምእኩል ስርዓት ንምስግጋር ዝተሃንጠየ ይመስል።
መጠንቀቕታታት ዓጸቦ
መንግስቲ ኣብታ ብኲናት ተሓሚሳ ዘላ ትግራይ ምርጫ ዘይምክያዱ፡ እታ ክልል ኣብ ፓርላማ ንዘለዋ ቁጽሪ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ነታ ሃገር ከቢድ ብድሆ ከምዘይከውን ክምጉት እዩ።
ትግራይ እቲ ህልው ኩነታት ምስ ሃድአ ምርጫ ከተካይድ ትኽእል እያ።
ብዛዕባ ዓጸቦ ዝቐርብ ኣህጉራዊ መጠንቀቕታት፡ ጌጋ ምዃኖም እዩ መንግስቲ ዝምጉት። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ክልላት ተመሳሳሊ መገዲ ከይኽተላ ምእንቲ ማእከላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እታ ዝሓንገደት ትግራይ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምኽንያታዊ እዩ ነይሩ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ - ኣብ ዓፋር፡ ክልል ሶማል፡ ኣምሓራ፡ ኦሮምያ፡ ሃረሪ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ደቡብ ወሎን ካልእን ዓበይቲ ናይ ጸጥታ ብድሆታት ኣለው። ካብ ትግራይ ወጻኢ ከባቢ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ተፈናቒሉ ኣሎ።
እቲ ዘይምርግጋእ፡ ንምዝገባ፡ ብዝሒ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድምጾም ዝህቡ ከምኡ'ውን ንተሳትፎ ተቓወምቲ ውድባት ክጸልው ይኽእል እዩ።
እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን መንግስትን እቶም ደገፍቱን፡ እዚ ምርጫ ከም ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ኵነት፡ ኣብ ሓድሽ ውልዶ ደሞክራሲ ዝግበር ጉድለት ዘለዎ መስርሕ ጽገና ክርአ ኣለዎ ክብሉ እዮም።
ብርግጽ ፖለቲከኛታት ንናዕብን ምልዕዓልን ዝህብዎ ምላሽ ንድሕሪት ምዝላቕ ወይ እቲ ምርጫ ኣበር ከም ዘይብሉ ምምጓት ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጀሚራቶ ዘላ ጎደና ጽገና ምእንቲ ክትጸንዕ ነቲ መስርሕ ምቕጻል ዝብል እዩ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ግና በዚ መልሲ ዕጉባት ኣይኮኑን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ቀደማይ ስክፍታ ጉዳይ ጸጥታ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትግራይ ንምንዋሕ እዋን ምርጫ እታ ሃገር ብምንጻግ ናታ ምርጫ ምክያዳ ምስ ማእከላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንጽን ኲናትን ዘእተዋ ሎሚ'ውን ኣብ ማእከል ብዙሓት ዞባዊ ጎንጽታት ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ናብ ዝተናውሐ መጻወድያ ቅልውላው ናይ ሕጋውነት ከእትው ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ብዙሓት ናብቶም ንውጥናት ምምእካል ኣብዪ ንምብዳሕ ነቲ ምርጫ ረጥሪጦምዎ ዘለው ዓሌታውያን ሓይልታትን ተፈንጭልቲ ጉጅለታትን ክጽምበሩ ዝድርኽ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብመሰረት እዚ፡ ነቲ ኣበር ዘለዎ ምርጫ ንምክያድ ምህንዳድ ንዓመታት ወይ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘልቕ ጎንጺ ዘኸትል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሃገራት ምዕራብ ብምስትንዓቕ ይኽሰሳ
ሩስያ ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት ሕብረት ብሚካኤል ጎርባቸብን ቦሪስ የልሲንን ዝተገብረ ገለ ጽገናታት ተደምሲሱ ኣብ ትሕቲ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ምዕምጻጽ ክትኣትው ግዜ ኣይወሰደላን።
እተን ንኢትዮጵያን ሽልማት ኖቤል ዝወሰደን መራሒኣ ዝወደሳ ሃገራት ምዕራብ ሻቕሎተን ይገልጻ ኣለዋ።
ጉጅለ ሃገራት ሸውዓተን ዋይት ሃውስን ኢትዮጵያ ካብ መስመር ጽገና ኣላጊሳ ምህላዋ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን "እናበርትዐ ዝኸይድ ዘሎ ጎንጽን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኢትዮጵያ ምትራር ናይ ክልላውን ዓሌታውን ምክፍፋላት" ኣመልኪቱ ንኣቢይ ኣጠንቂቑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቑጥዐ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንምትእትታውን "ምስትንዓቕን" ሃገራት ምዕራብ ኮኒኑ። ኢትዮጵያ ናብታ ድሮ ብቁጠባ ሓያል መሻርኽታ ኮይና ዘላ ቻይናን ሩስያን ዝምባለታት'ውን ኣርእያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕጂ ብቐንዱ ኣብ ኣብዪ ዝምርኮስ እዩ። ከምቲ ገለ ዲፕሎማት ሃገራት ምዕራብ ካብ ኣማኸርቱ ከም ዝሰምዕዎ ዝዛረብዎ፡ ድሕሪ ምርጫ ኣካይድኡ ብምዝላቕ እንተወሓደ ኣብ ትግራይ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር የዝልቕ ዶ ይኸውን?
እቲ ናይ 1984 ዓጸቦ (1977 ዓመተ ምህረት) ኣብ ዝድገመሉ ኩነታት መራሒ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ዝደልይ ሰብ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።
ነቐፍቲ ኣብዪ ግና ነቲ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ንኹነታት ትግራይን ዝተትሓዘሉ ኣገባባብ ብምዝኽኻር፡ ድኹም ዝኾነ ናይ ምውሳን ዝንባለታት ብምጥቃስ ናይ ምምእካል ሕልምታት ኣብዪ ዘይከውን እዩ ይብሉ።
ስለዚ እቲ ሒደት መዓልትታት ተሪፍዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንይምሰልዶ ይኸውን? ጉድለታት ዘለዎ ግና ኣብ መገዲ ደሞክራሲ ኣገዳሲ ስጉምቲ? ወላስ ጎንጺ ዘቀላጥፍ መስርሕ?







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







