መረጻ 2021፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መን፣ ኣበይ፣ ምስ መን’ዩ ክወዳደር?

ፕሮፌ. ብርሃኑ ነጋ፣ ምክትል ከንቲባ አዳነች አቤቤ፣ ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን እስክንድር ነጋ
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌ. ብርሃኑ ነጋ፣ ምክትል ከንቲባ አዳነች አቤቤ፣ ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን እስክንድር ነጋ

ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ንብዙሕ ዓመታት ማእከል ፖለቲካ እታ ሃገር ኮይና ኣገልጊላ እያ። ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ዝገበረ ፖሊሲ ንዲፎም ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ፡፡

እዚ ኩነታት ኣብቲ ሎምዘበን ዝካየድ መረጻ እውን ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ፡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ምውድዳሮም እቲ ውድድር ብርትዕ ከምዝብል ዘመላኽት እዩ፡፡

ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ብልጽግናን፣ ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒን ውድብ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራስን ዝስዕቡ ፖለቲከኛታት ንቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሕጹይነት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ቂርቆስ

ብርቱዕ ንሕንሕ ክካየድ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ከባቢታት ሓደ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ እዩ፡፡ ኣብዚ ክፍለ ከተማ ኢዜማ፡ ንበዓል ሞያ ስነ ቑጣባን ሓላፊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረን ክቡር ገና ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ብልጽግና ብወገኑ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀንኣ ያደታ፣ ሚኒስትር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዶ/ር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ኮምሽን ኮምሽነር ስራሕ ፈጠራ ንጉሱ ጥላሁንን ሕጹያት ገይሩ ኣቕሪቡ፡፡

ንፋስ ስልክ

ብልጽግና፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ንምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ንቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ገይሩ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ስንታየሁ ቸኮል ድማ ነታ ምክትል ከንቲባ ክነሓናሕ ብውድብ ባልደራስ ዝቐረበ እዩ።

ቦሌ

ብልጽግና፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣተሓባባሪ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ንዝኾነ ዣንጥራር ኣባይ ኣብ ቦሌ ክፍለ ከተማ ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ቦሌ መኮነን ኣምባዬን ናይ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሚኒስተር ዲኤታ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ኢዜማ ብወገኑ ንዶክተር በዛብህ ደምሴ ኣቕሪቡ።

የካ

ኣብዚ ክፍለ ከተማ፡ ባልደራስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣቶ እስክንድር ነጋ፡ ንቤት ምኽሪ እታ ከተማ ሕጹይ ተወዳዳሪ ገይሩ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣራዳ

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ፡ ናይ ክልል ኦሮምያ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ኣቶ ዳባ ደበሌ፡ ንብልጽግና ወኪሉ ሕጹይ ኮይኑ ቀሪቡ፤ ኣቶ ነብዩ ባዬ እውን ብልጽግና ወኪሉ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ኮልፌ ቀራንዮ

ኣብዚ ክፍለ ከተማ ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨስትመንት ለሊሴ ለሜ ንብልጽግና ወኪሉ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ባልደራስ ብወገኑ ንሄኖክ ኣክሊሉ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ኣዲስ ከተማ

ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና፡ ኣብዚ ክፍለ ከተማ ንብልጽግና ብምውካል ንቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ክወዳደር እዩ፡፡

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ

ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፓርላምኡ ብ23 ተወከልቲ እዩ ዝውከል፡፡ በዚ ድማ ዝተፈላለዩ ውድባት ኣብ 23 ክልላት መረጻ ይነሓንሑ፡፡

ብልጽግና ኣብ ክልል መረጻ 3፡ ንሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሕጽይቲ ገይሩ ዘቕረበ ኮይኑ፡ ኢዜማ ድማ ኣብዚ ክልል ንዶ/ር ጥላሁን ገብረህይወት ከወዳድር እዩ፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 6፡ ግርማ ሰይፉ ንኢዜማ ወኪሉ ክወዳደር እዩ፡ ብልጽግና ድማ ዶ/ር ኢንጂነር ወንድሙ ተክሌ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 7፡ ብቋንቋ ዓረብኛ ናይ ኢትዮጵያ ቅዋም ብምልላይ ዝፍለጥ መሃመድ ኣል-ኣሩሲ ብብልጽግና ዝቕረበ ኮይኑ፡ ናርዶስ ስለሺ ደማ ብኢዜማ ዝተሓረየት እያ፡፡

ሚኒስተር ትራንስፖርት ዳግማዊት ሞገስ ድማ ኣብ ክልል መረጻ 8፡ ብልጽግና ሕጽይቲ ገይሩ ኣቕሪብዋ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 11፡ ብልጽግና ንፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ከቅርብ እንከሎ፡ ባልደራስ ንሰለሞን ተሰማ (ዶ/ር)፡ ኢዜማ ንጁምኣልጋው ጀመረ ኣቕሪቦም ኣለዉ፡፡

ናይ ውድብ ኢዜማ ምክትል መራሒ ኣንዱኣለም ኣራጌ፡ ኣብ ክልል መረጻ 12 ን 13 ን ሕጹይ እንትኾን ዶ/ር ስንታየሁ ወልደሚካኤል ድማ ንልጽግና ወኪሉ ዝወዳደር እዩ፡፡

ሚኒስትሪ ማይ መስኖን ጸዓትን ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልል መረጻ 17 ንብልጽግና ብምውካል ንኣባልነት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክወዳደር እዩ፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 18 ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንብልጽግና ወኪሉ ዝቐረበ ሕጹይ ኮይኑ፡ ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ድማ ኣብ ክልል መረጻ 20 ንብልጽግና ወኪሉ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ባልደራስ ገለታው ዘለቀ ምስ ኣምባሳደር ዲና ክነሓናሕ እዩ፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 21ን 22ን ገዛኢ ብሄራዊ ባንክ ዶ/ር ይናገር ደሴ ንብልጽግና፡ ኢ/ር ኣንተነህ በለው ንባልደራስ፡ ኣባይ ብርሃኑ ወ/ጊዮርጊስ ንኢዜማ ወኪሎም ዝነሓንሑ እዮም፡፡

ኣብ ክልል መረጻ 23 ድማ መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ንብልጽግና ዝውክል ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተናን ምዘናን ዲላ ኣቶሬን ክነሓንሑ እዮም፡፡

ውድብ ብልጽግና ተወዳዳሪ ኣብዘየቕረበሉ ክልል መረጻ 28፡ ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ናይ ውልቀ ተወዳዳሪ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ኣምሃ ዳኘው ድማ ንባልደራስ ብምውካል ኣብዚ ክልል ክወዳደር እዩ፡፡