ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ዓደንቲ ንኤምባሲ ሃገሮም ተረኪቦም

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ከምዝተለቁ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ማሕበር ኣልዮና ሳይኔንኮ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ሰለስተ ቻይናውያን ንኤምባሲ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘረከብዎም ሓቢሩ።
ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብምባል ዝጽውዕ፡ ብ"ሸኔ" ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ነቶም ወጻእተኛታት ከምዝሓዞም ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
"እቲ ማሕበር ብዘለዎ ዘይሻራዊ ሓላፍነት፡ ነቶም ሰለስተ ቻይናውያን ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተረኪቡ ናብ ኤምባሲ ቻይና ክሰጋገሩ ኣወሃሂዱ" ክብል እቲ ኣፈኛ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣረጋጊጹ።
እቲ ጉጅለ ብፓርላማ ኢትዮጵያ "ኣሸባሪ" ተባሂሉ ክምዝገብ ዝተወሰነሉ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሰለስቲኦም ኣብ መነ ሲቡ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተታሕዙ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ስእሎም ኣሰኒዩ ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ የነጽር።
ኣብቲ እዋን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን፡ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጭወይቲ ናይቶም ቻይናውያን ዝሃብዎ መግለጺ ኣይነበረን።
ቢቢሲ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ብምውካስ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ ግን፡ እቶም ናይ ዕደና ሰራሕተኛታት ምዃኖም ዝተነግረሎም ሰለስተ ቻይናውያን፡ ነቲ ማሕበር ከምዝተረከቡ ከረጋግጽ ኪኢሉ።
እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ መንዲ ዝካየድ ዘሎ ዕደና "ሕጋዊ ኣይኮነን" ብምባል ተቓውምኡ ንምግላጽ ነቶም ሰለስተ ዓደንቲ ክጨዊ ከምዝተገደደ ይምጉት።
"ኣብ መንጎ መንግስትን ኣውጻእቲ ዕደናን ዝተበጽሐ ስምም ሕጋዊ ኣይኮነን" ብምባል "ጨውየዮም ኣለኹ" ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ሓላፊ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝኾነ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ "ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝተጨውየ ናይ ወጻኢ ዜጋ የለን" ብምባል ነቲ በቶም ዕጡቓት ዝወጸ መግለጺ ነጺግዎ ምንባሩ ይዝከር።
"ኣብ ወረዳናን ቀበሌናን ከምዚ ዓይነት ነገር ከምዘይተኸሰተ ኣረጋጊጽና ኢና" ክብል ኣብቲ እዋን ተዛሪቡ። ሰብመዚ'ቲ ክልል ብወገኖም፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ሓያሎ ሰበስልጣን መንግስትን ሰላማውያን ዜጋታትን ክቕተሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 18 ሰበስልጣን መንግስቲ፡ 112 ኣባላት ፖሊስን 42 ኣባላት ሚሊሻን ብዕጡቓት ምቕታሎም ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጠቒሱ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







