ንብረትን ገንዘብን ኣባላት 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ናይ ዝተበየኑ ጉጅለታት ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Federal Police, END, NISS, INSA
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ገንዘብን ኣባላትን ደገፍትን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ኢሉ ናይ ዝበየኖም ጉጅለታት፡ ከይንቀሳቐስ እገዳ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ሓበራዊ ሓይሊ-ዕማም ድሕነትን ጸጥታን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቋሚ ንብረት ናይ 19 መራሕትን ኣባላትን ህወሓት፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ሸኔ እናበለ ዝጽወዖ ጉጅለ ይድግፉ እዮም ናይ ዝተብሃሉ 141 ውልቀሰባት ገንዘብ ከምዝተኣገደ ገሊጹ።
እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ህወሓት ተሰሊፎም ዝበሎም ውልቀሰባት፡ ብስርቅን ጉሕለትን ኣብ ኣዲስ አበባን ብዙሕ ንብረት ከምዝውነኑ ብምኽሳስ፡ ፈጸሞምዎ ብዝበሎም ገበን 'ክሕደት ሃገር'፡ ኣብ ቀይዲ ንክውዕሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝወጽኦም ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ውልቀሰባት፡ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ መንበሪ ህንጻታትን ትካላት ንግድን፡ ብዘመድ ኣዝማዶምን ብወኪላታቶምን ኣቢሎም እናካረዩ ዝረኽብዎ ኣታዊ 'ንመግዝኢ ኣጽዋር ውግእን ጠያይትን ከምዝውዕል' ኣመልኪቱ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ወሲኹ'ውን፡ እቲ ንብረት ብምሻጥ ገንዘብ ንምውጻእ ከምዝተፈተነን እዚ ብዝምልከት ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መረዳእታት ብምቕራብ፡ ዝተነብረ እገዳ ተፈጻሚ ከምዝተገብረ ተገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ንብረቶም እገዳ ካብ ዝተነብረሎም 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ፣ ሜጀር ጀነራል አበበ ተ/ሐይማኖት፣ ሜጀር ጀነራል ሓለፎም እጅጉ፣ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ግደይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኃይለሥላሰ ግርማይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ብርጋዴር ጀነራል ተኽላይ አሸብርን ይርከብዎም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮምያ ይንቀሳቐስ ኢሉ ዝኸሶን ሸኔ እናበለ ዝጽወዖን፡ ንባዕሉ ግን 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ንዝጽውዕ ጉጅለ ይድግፉ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 141 ውልቀሰባት፡ ገንዘቦም ከይንቀሳቐስ ከምዝተኣገደ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ካብ ስልጣን ብሓይሊ ዝተኣለየ ህወሓትን፡ መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝፍጸሙ መጥቃዒቲታት ብድሕሪት ኮይኑ ዘፈጽም ኢሉ ንዝኸሶ 'ሸኔን'፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ብዝብል ምብያኑ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







