ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኢትዮጵያ፡ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ይጸልዎዶ ይህሉ?

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE
ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ንጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብምሓዝ እዩ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ።
ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ኣብ ዓንቀጽ 4 ንኡስ ቁጽሪ 10 ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኛታትን ኣስፊሩ’ሎ።
ነቲ ኣዋጅ ዘፈጽም ኣካል “ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቶም ‘ኣሸበርቲ’ ዝተባሃሉ ጉጅለታት ሞራላዊ ይገብር’ዩ ዝበሎ ማዕኸን ዜና ወይ ጋዜጠኛ ብዝምልከቶ በዓልመዚ ክእገድ ወይ ፍቓዱ ክስረዝ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል” ክብል ይድንግግ።
ብተወሳኺ ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝተኸልከሉ ነገራት ኣብ ቁጽሪ ሽድሽተ ዘርዚርዎም ይርከብ።
“ንምንቅስቓስ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ከምኡ’ውን ንዕላማ እቲ ኣዋጅ ዝቃወምን ንዕላማ 'ኣሸበርቲ' ጉጅለታት ኣበርክቶ ዝገብር፤ ንጉጅለታት ሽበራ ዘተባብዕ፤ ንሰላማውያን ዜጋታት ዘሸብር ዘረባ ብዝኾነ ይኹን ኣማራጺ ምዝራብ ኮነ ክፍኖ ምግባር ዝተኸልከለ እዩ” ይብል።
እዚ ከኣ እቲ ተደንጊጉ ዘሎ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ ናጽነት ካብ ማዕኸናት ዜና ሓሊፉ ንዜጋታት እውን ከምዝምልከት የነጽር።
ብርግጽ እዚ ናይ ዲጂታል እዋን ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓበሬታ ካብ ምቕባል ብዝሰገረ ሓበሬታ ናብ ምዝርጋሕ ከምዘሰጋገሮም ይፍለጥ።
እሞ ደኣ ነዞም ብማሕበራዊ መራኸብታት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ኣካላትከ ልክዕ ከም ማዕኸናት ዜና ብሕጊ ተሓተትቲ ምግባር ዝከኣል ስራሕ’ዶ ይኸውን?
እዚ ሕቶ ንሙሁር ሕገ-መንግስቲ ኣደም ካሴ (ዶ/ር) ኣቕሪብናሉ።
ንሱ፡ ካብ መጀምርትኡ’ውን ሕጊ ክወጽእ ከሎ ንኹሎም ተግባራት መሊእኻ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ ካብ ዝብል ሓሳብ ከምዘይኮነን ኣብዚ ናይ ዲጂታል እዋን ከኣ ሙሉእ ቁጽጽር ምክያድ ከምዘይከኣልን ይዛረብ።
“ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ብደረጃ ዓለም’ውን ገደብ ክገብረሎም ካብ ሞንጎ ዝኽእሉ መሰላት እቲ ሓደ እዩ። ስለዚ ሕዚ [ኣብ ኢትዮጵያ] ገደብ ምውጽኡ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን” ዝብል እቲ በዓል ሞያ ሕገ-መንግስቲ፡ እዚ ገደብ ተፈጻሚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንዝፍጠሩ ቅርታታት ብግቡእ ዘተኣናግድ ስርዓተ-ሕጊ ምድላው ኣገዳሲ ከምዝኾነ የረድእ።
ዝኾነ ይኹን ኣካል ዳኝነት፡ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክሳብ ዝለዓል ኣብ ዘሎ እዋን ኣብቲ አዋጅ ኣብ ዝሰፈሩ ጉዳያት ስልጣን ከምዘይህልዎ ተነጺሩ’ሎ።
ኣደም ከምዝብሎ ድማ እቶም ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘሕድርዎ ፍርሒ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን።
“ከምዚ ዝበለ ፍርሒ፡ ሰብ ሞያ ሚድያ ስርሖም ብግቡእ ከይፍጽሙ ከምኡ’ውን ‘እዚ ነገር ከቕጽዓኒ ይኸውን’ዶ?’ ብዝብል ስግኣት ናብ ሕብረተሰብ ክበጽሕ ዝግብኦ ሓበሬታ ከየብጽሑ ዝገብር’ዩ” ይብል።
ኣዋጅን ኣፈጻጽምኡን ዝፈጠርዎም ስግኣታት
ጸሓፊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሲሳይ ሳህሉ ገለ ስግኣታት ይፍጠሩ ምህላዎምን እዚ ከኣ ብፍላይ በቶም ነቲ ኣዋጅ ዘፈጽሙ ኣካላት ምዕሩይ ዝኾነ ኣፈጻጽማ ካብ ዘይምህላዉ ዝነቅል ከምዝኾነ ይገልጽ።
“ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ንግንዘብ ኢና። እንተኾነ ጋዜጠኛታት ንሕብረተሰብ ግቡእ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ስርሖም ከፈጽሙ ኣለዎም” ዝብል ሲሳይ፡ ብውልቁ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻብ ንምድላው ኣብ ዝወፈረሉ እዋን ንኽልተ ሰዓታት ዝኣክል ንሱን መሳርሕቱን ብኣካላት ጸጥታ ከምዝተትሓዙ ተዛሪቡ።
“ባጅ [ፍሉይ ናይ ፍቓድ ወረቐት] ኣምጽኡ ይብሉና ነይሮም። መለለዪ ወረቐት ምስኣርኣናዮም ‘ኣብዚ እዋን ብዘይባጅ ክትሰርሑ ኣይትኽእሉን’ ኢሎምና። እዚ ከኣ እቲ ጋዜጠኛ ተስፋ ንክቖርጽ’ዩ ዝገብር” ዝብል ሲሳይ እዚ ድማ ኣብቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዘይተቐመጡ ነገራት እውን ንኽሕተቱ ዝገብርን ጸገም ግንዛበ ከምዘሎ ዘመልክትን ከምዝኾነ የረድእ።
ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ወኪል ተጣባቒት መሰላት ጋዜጠኛታት - ሲፒጄ - ዝኾነ ሙቱኪ ሙሞ፡ እቲ ኣዋጅን ንዕኡ ስዒቡ ብኣፈጻሚ እዚ ዝወጸአ መግለጺን መሰረታዊ ጸገማት ከምዘለዎም ትነቅፍ።
ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ መሰረት ብምግባር፡ ሰበስልጣን ብዘይገደብ ንሰባት ክኣስሩ ስልጣን ምሃቡን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ‘ንኣሸበርቲ ጉጅለታት’ ይድግፉ ናይ ዝባሃሉ ትካላት ሚድያ ፍቓድ ክሳብ ምስራዝ ዝበጽሕ ስጉምቲ ንኽውሰድ ዘፍቅድ ምዃኑን፡ ንሲፒጄ ብመንጽር ናጽነት መራኸቢ ብዙሃን ከምዘሻቕሎ’ያ ትገልጽ።
ንኣፈጻጽማ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝከታተል እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከቱ ጸብጻባት ካብ ዝምልከቶም ሰበስልጣን እንተዘይመጺኡ ክዝርግሑ ከምዘይብሎም ኣጊዱ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ወኪል ሲፒጄ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ትዛረብ።
እዞም ድንጋገታት ንዝተፈላለየ ትርጉም ዝተቓልዑን ንጹር ዘይምዃኖምን ዘተሓሳስብ’ዩ ዝበለት ሙቱኪ፡ “ንኣብነት ‘ብተዘዋዋሪ ናይ ሞራል ድጋፍ ምግባር’ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ‘ኣካላት ጸጥታ ስጉምቲ ውሰዱ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ንምባል’ዩ? እሰሩ ማለት’ዶ ይኸውን? ወይስ ንብረት ውረሱ? ወይ ፍቓዶም ሰርዙ? እዚ ብንጹር ዝተቐመጠ ኣይኮነን። ስዒቡ ዝወጽኣ መግለጺ’ውን ዋላ’ኳ መንግስቲ ናይ ሚድያ እገዳ ኣይኮነን እንተበለ ጸብጻባት ምድላው ግን ዝእግድ እዩ” ክትብል ተረድእ።
ጸሓፊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሲሳይ፡ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስዒቡ ኣብ ዋሕዚ ሓበሬታ ብድሆ ከምዘጋጠመ ብምሕባር “እዚ ከኣ ሓበሬታ ካብ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናብ ካልእ ናይ መንግስቲ ሚድያ ጥራሕ ንኽውሕዝ ጌሩሎ” ክብል ይዛረብ።
እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ሚድያታት ጽዕንቶ ከምዘሕደረን ሹመኛታት መንግስቲ’ውን ሓበሬታ ንምሃብ ከድሐርሕሩ ከምዝገበረን ጠቒሱ።
ድሕነት ጋዜጠኛታት ንምውሓስ
ጸሓፊ ማሕበር ጋዜጣኛታት መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሲሳይ፡ ማሕበሮም ሓድሽ ከም ምዃኑ መጠን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ድሕነት ኣባላቱ ውሑስ ንምግባር ዝሰርሕዎም ዘለዉ ስራሕቲ ውሱናት ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብፍላይ ጋዜጠኛታት ናብ ማእሰርቲ ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን፤ መግለጺታት ብምውጻእ ጽዕንቶ ንምፍጣር ከምዝፍትኑ ሓቢሩ። ጋዜጠኛታት ናብ ማእሰርቲ ከይቃልዑ ንምግባር ድማ በቢእዋኑ ከምዝዘራረቡ ኣረዲኡ።
ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ወኪል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ዝኾነ ትካል - ሲፒጄ - ሙቶኪ፡ ድሕነት ጋዜጠኛታት ውሑስ ክኸውን ምግባር ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት ግን ትካላት ሚድያ ድሕነት ጋዜጠኛታቶም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎም ሓቢራ።
ጋዜጠኛታት እውን ንድሕነቶም ሓላፍነት ክወስዱ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ብፍላይ ናብ ሓደጋ ዘእትውዎም ስራሕቲ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ናይ ምግላጽ ድፍረት ክህልዎም ከምዝግባእ ተዛሪባ።
“ጋዜጠኛታት ካብ ሲፒጄ ኮነ ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት ሓገዝ እንተደልዮም ከዘራርቡና ይኽእሉ እዮም” ክትብል ድማ ንቢቢሲ ገሊጻ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







