ግሪኻዊ ናይ መርመራ ጋዜጠኛ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ብድምጺ ኣልቦ ጥይት ተቐቲሉ

ጊዮርጎስ ካራይቫዝ

ምንጪ ስእሊ, Xamos

ብናይ ገበንን ብልሽውናን ጋዜጠኝነት ዝፍለጥ በዓል ሞያ ሚድያ ጊዮርጎስ ካራይቫዝ ድምጺ ብዘይብሉ መሳርሒ 6 ግዜ ተሃሪሙ ከምዝሞተ’ዩ ተገሊጹ።

መንቀሊ ሞት ናይቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ብቕልጡፍ ክጻረ ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪክ ክይርኣኮስ ሚሶታኪስ ኣዚዙ’ሎ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ብክልተ ሰብኡት ሰባት ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ ግሪኽ ሞት ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ “ንኹላትና ዘደንጸወ” ክስተት እዩ ኢላቶ።

ትካላት ናጽነት ሚድያ እታ ሃገር ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ዝተቐተለሉ ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ናይ ገበንን ብልሽዉናን ጸብጻባት ድዩ ወይስ ካልእ ክጻረ ሓቲቶም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኮምሸን ኣውሮጳ ዩርሱላ ቮን ዶር ለየን፡ ናይቲ ብናይ ፈራሓት በትሪ ተቐቲሉ ዝበሎ ጋዜጠኛ ፍትሒ ክረክብ ተመሓጺኑ። ኣፈጉባኤ ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ ዴቪድ ሳሶሊ ብወገኑ ብሞት ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ከምዝሓዘነ ኣብ ትወተር ገጹ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ብምስራሕ ዝልለ ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ካራይቫዝ ቅድሚ ሕጂ ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘለዎ ንፖሊስ ኣመልኪቱ ከምዘይነበረን ብፖሊስ ሓለዋ ክግበረሉ ሓቲቱ ከምዘይፈልጥን ተገሊጹ። ኣብቲ ተቐቲሉ ዝተረኸበሉ ቦታ ድማ ልዕሊ ደርዘን ጠያይቲ ከምዝተረኸበ ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ስሎቫክያ ጋዜጠኛ ጃን ኩሳይክ ብተመሳሳሊ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።