ቅትለት ሃጫሉ፡ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ናዕቢ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተፈጢሩ ምስ ዝነበረ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ከባቢ 5,000 ከም ዝበጽሐ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክሬታርያት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኩነታት ይሃድእ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ "እቲ መሓውር ጸጥታ ዘየላጢ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።

ብዘይካ እቶም ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ድማ ካልኦት ተጠርጠርቲ'ውን ይእለሹ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናዕቢ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ጉድኣት ንምጽራይ ካብ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ዝተወጻጽአ ጉጅለ ናብቶም ዘይምርግጋእ ዝነበረሎም ከባብታት ከም ዝተላእኸ'ውን ኣዘኻኺሩ።

መጠን እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ከኣ እቲ ጉጅለ ዘተኣኻኽቦ ዝርዝር መረዳእታ ምስተዳለወ ንህዝቢ ክግልጽ ምዃኑ ገሊጹ።

ማእሰርቲ ሰበስልጣን መንግስቲ

ኣቶ ጥላሁን ከም ዝበሎ፡ ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓላፍነት ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም'ዮም።

"ክልተ ዓይነት መሪሕነት እዩ ዘሎ። እቲ ዝበዝሐ ግን ነቲ ናዕብን ዘይምህዳእን ንምቁጽጻር ዝቃለስ'ዩ" ክብል ነቲ ኣብ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተረኣየ ኣፈላላያት ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ "ብሕጊ ዝሕተት ክሕተት እዩ፤ ፖለቲካዊ ውሳነ ዘድልዮ'ውን ከምኡ፤ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ዝውሰዶም'ውን ክህልው እዮም" ኢሉ።

ጸገም ዝፈጠሩ፣ ክጓሃሃር ዝገበሩን እናረኣዩ ከም ዘይረኣዩ ዝሓለፉን መሪሕነት ከምኡ'ውን ኣካላት ጸጥታ ከም ዘለዉ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ንምጽራይ ከም ዝስራሕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝፍኖ ትሕዝቶታት ህይወት ዜጋታት ዝበልዕን ኢትዮጵያ ክትፈርስ ዝገብርን ክኸውን ከም ዘይብሉ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

"ህዝብን ሃገረን ክዋድኡን ክፈርሱን ዝጽዕሩ" ኣብ ዝበልዎም ጋዜጠኛታታትን ማዕኸናት ዜናን ስጉምቲ ከም ዝውሰድ'ውን ኣጠንቂቑ።

ምቁራጽ ኢንተርኔት

መንግስቲ ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክቋረጽ ምግባሩ ይዝከር።

ኣቶ ንጉሱ "ኢንተርኔት ክቋረጽ ዝተገበረ ንጸጥታ ብዝብል'ዩ" ኢሉ። ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ምስተመለሰ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝጅምር ገሊጹ።

ካብ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝጀመረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳታ ግን ሕዚ'ውን ምስ ተዓጸወ እዩ።