ሲፒጄ፡ 'ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ናይ ምጭፍላቕ ተርእዮታት ኣሎ'

ጋዜጣ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ 'ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ናይ ምጭፍላቕ ተርእዮታት ኣሎ' ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ሞይኡ ዝተኣሰረ ፍቃዱ ማህተመወርቅ ዝበሃል ሓደ ጋዜጠኛ ጥራይ ምዃኑ ዋላኳ ኣብ ጸብጻብ ሲፒጄ እንተተገለጸ፤ እዚ ግን መንግስቲ ኣብ ናይ ምዝራብ ናጽነት ንዝገብሮ ዘሎ ጭፍለቓታት ብምሉእ ምስሊ ዘርኢ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2019 ዝተኣሰሩ ነጠፍቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ከምዘለዉ ዝገለጸ ሲፒጄ፡ መብዛሕተኦም "ብናይ ጋዜጠኝነት ሞይኦም ዘይኮነስ፡ ብፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ዝተኣሰሩ እዮም" ይብል።

እንተኾነ እውን፡ ማእሰርቲ ናይዞም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ፖለቲካን "ዘተሓሳስብ እዩ" ይብል።

"ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ንምዕፋን፡ ቅድም ክብል ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዝነበሩ ስልትታት ተመሊሶም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ" ኢሉ ሲፒጄ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ተቓውሞን ናዕብታትን ምስተላዕለ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ከምዘቋረጹን፡ ንቤት ጽሕፈት ሲዳማ ሚድያ ኔትወርክ ንመዓልታት ከምዝዓጸውዎን እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብቲ እዋን 900 ሰባት ከምዝተኣሰሩ'ውን ኣፍሊጡ።

ካብቶም ዝተኣሰሩ፡ ኣመራርሓን ኣባላትን ሲዳማ ሚድያ ኔትወርክ ከምዝርከብዎም እውን ሲፒጄ ገሊጹ።

ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ መርበብ ኣብ ዝቃላሕ ሚድያ ዝሰርሑ ካልኦት 5 ሰባት እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ብሽበራ ተጠርጢሮም ከምዝተኣሰሩን ሰለስተ ካብኦም ሕዚ ተፈቲሖም ምህላዎምን ሲፒጄ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሓዳሪ ኦሮሚያ ኒውሰ ኔትዎርክን ኣባል ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝኾነ ያዘው ከበደው ዝበሃል ጋዜጠኛን-ነጣፊ-ፖለቲካን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝተኣሰረ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ማእሰርቲ ናይዞም ሰባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ናይ ምጭፍላቕ ተርእዮታት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ድማ ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲፒጄ፡ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ 39 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኮይኖም፡ መብዛሕተኦም ኣብ ኤርትራ ዝተቐየዱ እዮም።

ሃለዋት እዞም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ከኣ፡ ንልዕሊ 18 ዓመት ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ሲፒጄ ከምዝብሎ፡ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ዓለምና ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን አለዋ።