ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብተኣማንነቱ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ምስ ዝስርዑ ኣትዩ

EHRC logo

ምንጪ ስእሊ, EHRC

ሕቡራት ሃገራት ‘መትከላት ፓሪስ’ ኢሉ ብዘጽደቖ መምዘኒ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ]፡ ብተኣማንነቱ ናብ ደረጃ ‘ኤ’ ክብ ክብል ዓለምለኻዊ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ምውሳኑ ተገሊጹ።

እቲ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 118 ሃገራውያን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዋና ጽሓፊ ኮይኑ ዝመርሖ እዩ።

መትከላት ፓሪስ፡ ከም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ዝሰርሕሎም ሕጋጋት፡ መዓልታዊ ምንቅስቃሳት ከምኡ’ውን ኣብ ዘንቀሳቕስዎ ንብረታት ዘለዎም ናይ ምምሕዳር ስልጣን ከም መበገሲ ብምስወሳድ ዘይሻራውያንን ነብሶም ክኢሎም ዝኸዱን ማሕበራት ድዮም ብምባል እዩ ንነፍሲ ወከፍ ማሕበር ዝመዝነን።

በዚ መሰረት ኢሰመኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንንኡስ ኮሚተ እቲ ዓለምለኻዊ ጥምረት ማሕበራት ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፡ እዚ ሕጂ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓዲሽ ደረጃ ከምዝተውሃቦ እቲ ናይ ማሕበራት ጥምረት ኣፍሊጡ።

“እዚ ጥምረት ናይ ማሕበራት፡ ኢሰመኮ ሰብኣዊ መሰላት ንምክልኻልን ንምሕላውን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ገምጋማት ከመሓይሾም ዝግብኦም ነጥብታት ከምዘመሓየሸ ገሊጹ ኣሎ” ክብል እቲ ማሕበራት ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

መትከላት ፓሪስ፡ ሓደ ማሕበር ዘለዎ ስልጣንን፡ ንዘለዎ ስልጣን ዘተግበርሉ ዓቕምን፡ ንኹሉ ብምስታፍ፡ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዕድላት ብምፍጣር ከምኡ’ውን ምስ ኣህጉራውያንን ዓለምለኻውያንን ማሕበራት ዘለዎ ናይ ስራሕ ምትሕብባር ካብቶም መለክዒታት ከምዝኾኑ ይግለጽ።

ንኢሰመኮ ናብዚ ሓዲሽ ደረጃ ‘ኤ’ ከእትዎ ዝኸኣለ ቀንዲ ሮቋሒ፡ እቲ ኮምሽን ዝምርሓሉ ኣዋጅ ከም ብሓዲሽ ስለዝነደፈ ምዃኑ ኢሰመኮ ገሊጹ።

እዚ ሓዲሽ ዝምርሓሉ ዘሎ ኣዋጅ፡ ኢሰመኮ ናይ ፋይናንስን ናይ ሰራሕን ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ተሓቢሩ።

ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜን ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምክትታልን ኣብ ማእሰርቲ ንዝርከቡ እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንኽበጽሖም ናጽነት ዝህብ ኣዋጅ ከምዝኾነ እቲ ኮምሽን ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) ኣባላት ኢሰመኮ ኣብቲ ‘ኣሸጋሪ’ እዋን ንዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊኑ።

እቲ ላዕለዋይ ኮምሽነር “ኢሰመኮ ካብ ደረጃ ‘ቢ’ ናብ ‘ኤ’ ክብ ምባሉ እቲ ኮምሽን ከም ሓደ ዘይሻራዊ ማሕበር፡ ዓለምለኻውያን መለክዒታት ከምዘማለአ ዘርጋግጽ እዩ” ኢሉ።

ኢሰመኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ መግለጺ፡ ናብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሕ ኩሎም ዓቕሞም ዝገበሩ መሻርኽቲ ኣመስጊኑ።

ኢሰመኮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ ንዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ምክትታል ብምግባር ጸብጻብ ክህብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ትግራይ ምስ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን መርመራ ብምግባር ጸብጻቡ ከምዘቕረበ ይዝከር።