ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ግንባር ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተመልሰ ገሊጹ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብዪ ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምግስጋስ፡ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም እዩ ናብ ግንባር ክኸይድ ተገዲዱ

ንሓይልታት መንግስቲ ንምምራሕ ናብ ዓውደ-ኲናት ዝኸተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከም ዝተመልሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ግንባር ከም ዝኸደ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ቀዳማይ ምዕራፍ" ናይ ግንባር ጻንሒቱ ብምዝዛም ንዝተወሰነ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሰ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምግስጋስ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ናብ ሰሜን ሽዋ ድሕሪ ምብጽሖም'ዩ፡ ኣብዪ ሰራዊቱ ብኣካል ንምምራሕ ናብ ግንባር ክኸይድ ተገዲዱ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ድማ፡ ከተማታት ላሊበላ፣ ደሴ፣ ኮምቦልቻ፣ ከሚሴ፣ ባቲን ጭፍራን ዝርከብዎም ሰፋሕቲ ከባቢታት ካብ ምቁጽጻር ሓይልታት ህወሓት ናጻ ወጺኦም ኣለዉ።

መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ምስሓብ ሓይልታቶም "እቲ ወሲድናዮ ዘለና ስጉምቲ፡ ስልታዊ፡ ስርሒታዊን ስትራተጂካውን ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ . . .ናይ ቦታ ምምሕያሽ'ዩ" ክብሉ ይገልጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ ይኹን ኣብ መጻኢ፡ ጸላእትና ሓይሎም ዝሒሉ፡ ጽልእን ተጻብኦን ገዲፎም መገዲ ሰላምን ፍቕርን ክሳብ ዝመርጹ ቃልስና ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።

"እቲ ቃልሲ ጌና ኣይተዛዘመን። ናጻ ዘይወጹ ከባቢታት ኣለውና" ድሕሪ ምባል እታ ሃገር ዝገጠማ ፈተና ደጊሙ ከይቅልቀል ነባሪ ፍታሕ ከም ዘድሊ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ግንባር ኣብ ዝኸተተሉ እዋን፡ ኢትዮጵያውያን ክኽተልዎ ጻዊት ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

ብእኡ መሰረት ድማ፡ ብዙሓት ሰብ መዚ፡ ፍሉጣት ስፖርታውያንን ስነ-ጥበባውያንን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን ናብ ዓውደ-ኲናት ክኸዱ ድልዋት ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

"ነቲ ዘቕረብኩዎ ጻውዒት ብምቕባል፡ ሂወትኩም፡ ጉልበትኩም፡ ሃብትኹም፡ ፍልጠትኩም፡ ግዜኹምን ሞያኹምን ንዝሃብኩም ኩሉኹም፡ ብስም ኢትዮጵያ ከመስግነኩም እፈቱ" ክብል እቲ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተመልሰ ኣብዪ ናእዳኡ ገሊጽሎም ኣሎ።

ኣብቲ ዝመርሖ ዘሎ "ወፍሪ ንሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ናይ ጸረ-መጥቃዕቲ ስርሒታት፡ "ሰራዊት ምክልኻል፡ ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይልታት፡ ኣባላት ፖሊስ ፈደራል፡ ሚሊሻታትን ዕጡቓትን" ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ ይዝከር።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፣ ጥምየት፣ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።

ዛጊት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን ጻውዒታትን ፍረ ኣይሃበን።