ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጋዜጠኛታት ኣበይ ይርከቡ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ሲፒጄ ዝተበሃለ ዓለምለከ ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ጽባሕ እቲ ጸብጻብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም።
መስራቲ ’ኡቡንቱ’ ዝተባሃለ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ምድላው፡ እያስፔድ ተስፋዬ ቅድሚ ኩሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብ28 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተወሰደ ወላዲት ኣዲኡ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።
ስዒቡ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ‘ተራራ ኔትወርክ’ [ብዩቱዩብ ዝፍኖ] ታምራት ነገራ 01 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተወሰደ በዓልቲ ቤቱ ሰላም በላይ ንቢቢሲ ምግላጻ ይዝከር።
ሳልሰይቲ ጋዜጠኛ ከኣ መዓዛ መሓመድ ትበሃል ኮይና ብ02 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ እንዳወለዳ ከምዝተወሰደት ዓባይ ሓፋታ ኣገኘሁወርቅ ኣበበ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኩሎም ጋዜጠኛታት ኣብ ሰዓታት ረፋድ ካብ መንብሪ ገዝኦም ዝተወሰዱ ኮይኖም ገዛውቶምን ዝሰርሑሉ ቦታን ተፈቲሾም’ዮም። ናይ ኮምፒተራት ‘ሃርድ ዲስክ’፣ መቕድሒ ድምጺ ናውቲ ከምኡ’ውን ካሜራታት ብፖሊስ ከምዝተወሰዱ ድማ ቤተሰቦም ሓቢሮም።
ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ትማሊ ሰኑይ [12/14/2021] ናብ መጋባእያ ቀሪቡ “ተፈቲሑ” ዝተባሃለን ጋዜጣኛ ኣሃዱ ሬድዮ ክብሮም ወርቁ ዝርከቦም ኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ኣበይ ይርከቡ ይኾኑ?
ታምራት ነገራ
መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ተራራ ሚድያ ጋዜጠኛ ታምራት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓለሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት፤ ኣበይ ከምዝርከብ ከምዘይፈልጡን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተሓተቱ’ውን ሃለዋቱ ዘረጋግጸሎም ኣካል ከምዘይረኸቡ በዓልቲ ቤቱ ሰላም ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብቲ መዓልቲ ዝወሰድዎ ሰባት ደንቢ ክዳን ፌደራል ፖሊስ ዝተኸደኑ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረት ሰላም፡ ናብ ቤት ዕዮ ምርመራ ገበናት ፌደራል ፖሊስ ከምኡ’ውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም እንተሓተቱ’ውን “ኣብዚ ኣሎ” ዝብሎም ከምዘይረኸቡ ሓቢራ’ላ።
ምስ ፖሊስ ኦሮሚያ ከምዝርከብ ዝገልጽ ሓበሬታ ስለዝበጽሓ ድማ ቀዳምን ሰንበትን ናብ ኩለን ኣብ ዙሪያ ፊንፊኔ [ኣዲስ ኣበባ] ዝርከባ መደብራት ፖሊስ ከምዝበጽሑን ክረኽብዎ ከምዘይከኣሉን ተዛሪባ።
“ ’ናብዚ ኪዱ፤ ኣብቲ ኣሎ’ ካብ ዝብል ዘረባታት ወጻኢ ዝተፈጠረ ነገር የለን” ኢላ።
መንግስቲ ሕቶ እንተሃልይዎ ‘ስለምንታይ ወሲዱ ይሓትት?’ ዝብል ተቓውሞ ከምዘይብላ እትገልጽ ሰላም፡ በዓል ገዝኣ’ውን ኣብ ቀይዲ ክውዕል ከሎ ሕጋውያን ሰባት እዮም መጺኦም ብዝብል ብዘይገለተቓውሞ ተሲኡ ከምዝኸደ ኣረዲኣ።
“ሒዞምዎ ክኸዱ ከለዉ ምርኣይን ኣበይ ከምዘሎ ደሃዩ ዘይምፍላጥን ንኣባላት ቤተሰብ ዝኸብድ ነገር’ዩ። ነቶም ዝወሰድዎ ሰባት’ውን ናበይ ከምዝወሰድዎ ክንሓቶም ከለና ‘ኣይንፈልጥን’ ኢሎምና። ንሓንቲ ኣደ ወዳ ብኣካላት ጸጥታ እናተወሰደ ናበይ ከምዝተወሰደ ዘይምዝራብ እንታይ ማለት’ዩ?” ትብል።
ኩሉ አባል ቤተሰብ ዘኣብ ጭንቀት ከምዝርከብ ብምግላጽ፡ ናብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ደብዳበ ከምዘእተዉ ወሲኻ ሓቢራ።
ደሃይ በዓልቤታ ክሳብ እትረክብ እተካይዶ ኣለሻ ከምዘይተቋርጾ ዝተዛረበት ሰላም “ኣሎ ናብ ዝበሃለሉ ቦታ ኮነ ናብቶም መጀመርታ ዝወሰድዎ ኣካላት ሕጊን ምኻድና ደው ኣይክነብልን” ኢላ።
ሓገዝ ንምርካብ ድማ ጸቕጢ ክፈጥሩ ይኽእሉ ናብ እትብሎም ትካላት መንግስቲን ማዕኸናት ዜናን ብምኻድ ነቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ምዝራብ ከምዘይተዕርፍ’ውን ንቢቢሲ ኣፍሊጣ።
“ንመንግስቲ እንሓቶ ሕቶ ግን፤ ‘ምጽራይ ምግባር ግቡኡ’ኳ እንተኾነ፤ ዝርከበሉ ቦታ ምሕባር፤ ኣዶ ንውላዳ መግብን ክዳንን ክተቐብል፤ በዓል ገዛይ ደሃዩ ምሕታት ድማ ናትና መሰል’ዩ። ብህይወት ኣሎ’ዶ? እንተሃልዩ ኣበይ? ብህይወት ምህላዉ ክፈልጥ እደልይ እየ። እንተዘይሃልዩ ድማ ብግልጺ ከፍልጡኒ እደልይ እየ” ክትብል ትሓትት ሰላም።
ክብሮም ወርቁ
ጋዜጠኛ ክብሮም ኣብ ኣሃዱ ሬድዮ ዋና ኣሰናዳኢ ክፍሊ ዜና ኮይኑ፡ ብዘቕርቦ ካልእ መዘናግዒ ናብ ሬድዮ ፕሮግራም’ውን ይፍለጥ። 16 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ “ናዕብን ጎንጽን ብምልዕዓል” ብዝብል ገበን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ይግለጽ።
ንሱ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ “ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ” ብዝብል ኣብቲ መደበር ሬድዮ ሓበሬታ ብዝርግሑ ነይሩ።
ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ደሃይ ወዶም ከምዘይፈልጡ ንቤት ፍርዲ ንዝተዛረቡ ወላዲ ኣቡኡ ብስልኪ ረኺብናዮም ኔርና።
ክብሮም ፈለማ ኣብቲ ብልምዲ ‘ሶስተኛ’ ብዝብል ዝፍለጥ መደብር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሽዑ ክሓትዎ፣ ሰላም ክብልዎን መግቢ ከብጽሑሉን ይፍቀደሎም ምንባሩ ይዛረቡ።
ቤት ፍርዲ ብ09 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብ15 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዘሰናበቶን ንሶም ነቲ ገንዘብ ከምዝኸፈሉን ዝሓበሩ ወላዲኡ ኣይተ ወርቁ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ክፍታሕ እንተተጸበዩ’ኳ ከምዝሓሰብዎ ግን ኣይኮነን።
ሽዑ ንሶም ነቲ መጋባእያ ጥርዓን ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፡ ፖሊስ ብወገኑ ይግባይ ከምዝሓተተ ነቲ መጋባእያ ብምግላጹ ወዶም ኣብ ማእሰርቲ ክጻንሕ ከምዝተገበረ ይዛረቡ።
ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ መጋባእያ ፖሊስ ንዘቕረቦ ይግባይ ውድቂ ብምግባር “ይፈታሕ” ዝብል ብይን እንተሃበ’ውን ወዶም ግን ከምዘይተፈትሐ ወሲኾም ሓቢሮም።
“ምስኣዘራረብናዮም ክፍታሕ ምዃኑ ሓቢሮምና። ንኽፍታሕ ታሴራይ ሂበዮም። ዝፍረም ነገራት ፈሪመ። ‘ኣብ ደገ ተጸበይ ኢሎምኒ’፤ ግን ከኣ ብሚኒባስ ሒዞምዎ ከይዶም” ክብሉ ነቲ ኩነታት ኣረዲኦም።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት ቤተሰቡ ‘ኣካል ነጻ ናይ ምውጻእ ክሲ’ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከምዘእተዉን እቲ መጋባእያ ንጥርዓኖም ውድቂ ገይሩ ምንባሩን ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሔን ነይረን።
ነቲ ክሲ ብይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሒዞምዎ ብምኻዶም ድማ ትማሊ ሰኑይ [12/14/2021] ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ፖሊስ ንምንታይ ንክብሮም ከምዘይፈትሖ ከብርህ ተሓቲቱ ነይሩ።
ፖሊስ ብጽሑፍ ሒዝዎ ኣብ ዝቐረበ መልሲ፤ ‘ንክብሮም ብ09 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ፈቲሐዮ እየ’ ክብል’ዩ ገሊጹ። ወላዲኡ ኣይተ ወርቁ ብወገኖም ፖሊስ ነዚ ይበል እምበር ንወዶም ከምዘይረኸብዎን ካብ ዝሪእይዎ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዝኾኖምን ነቲ መጋባእያ ኣረዲኦም።
ብድሕሪ’ዚ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሓባሲ ንብዓትን ብምኻድ ጉዳይ ወዶም ከምዘመልከቱን ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
“ክብሮም ናይ ልቢ ሕክምና መጥባሕቲ ገይሩ ነይሩ። ድቃስ ኮነ ኣመጋግብኡ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኩነታት ክኸውን ኣለዎ። ካብ ሎሚ ንደሓር ተስፋና ኣብ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ” ኢሎም።
እያስፔድ ተስፋዬ
ጋዜጠኛ እያስፔድ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ መዓልቲ፡ ፖሊስ ናብቲ ‘ኡቡንቱ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሚድያ ዝርከበሉ ቤት ጽሕፈት ሒዝዎ ከምዝኸደን ፈተሻ ተኻይዱ ድማ ካሜራታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናውትን ከምዝተወሰዱ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
ንሱ ‘ሶስተኛ’ ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከምዝርከብን ገለ ኣዝማዱ ብሰንበት ከምኡ’ውን ሰሉስ ከምዝረኣይዎ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ሸውዓተ መዓልታት ዝተቖጸሩ ኮይኖም፤ ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረበ ቤተሰቡ ይገልጹ።
ጠበቓ ከቑሙሉ ጻዕሪ እንተገበሩ’ውን “ምስ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ስለዝወዓለ ጠበቓ ክቖመሉ ከምዘይክእል” ከምዝተነበሮም ሓቢሮም።
መዓዛ መሓመድ
ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ኣብ ቀይድ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ መንበሪ ገዝኣን ትሰርሓሉ ቦታን ፈተሻ ከምዝተኻየደ ቤተሰባ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።
ካብ ዝምስረት ነዊሕ ዘይጸንሐን ክሳብ ሎሚ ክልተ ቪድዮታት ጥራሕ ኣብ ዩቱዩብ ዝዘርግሐን ‘ሮሃ’ ዝተባሃለ ብመዓዛ ዝተጣየሸ ሚድያ፡ ናይ ኮምፒተራት ‘ሃርድ ዲስክ’ን ካልኦት ናውትን ብፖሊስ ተወሲዶምዎ’ለዉ።
ሓዋ ዩሱፍ መሓመድ ከምዝበሎ፡ ቤተሰባት ብሰንበት ናብ ‘ሶስተኛ’ መደበር ፖሊስ ከይዶም ሓቲቶምዋ’ዮም።
‘ሰማያዊ ፓርቲ’ ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክሳብ ዝፈረሰሉ እዋን ብኣባልነት ተሳትፎ ከምዝነበራ ዝዛረብ ዩሱፍ፡ ብድሕሪኡ’ውን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከምዝነበራ ኣረዲኡ።
ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣባይ ሚድያ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ [ናይ ዩቱዩብ ቻነል] ከምዝተጸምበረት ተዛሪቡ።
“ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ግብረ-ሰናይ ስራሕቲ እምበር ኣብ ሚድያ ብዙሕ ኣይትሳተፍን ነይራ። ናብቲ ሕዚ ዝተኣሰረትሉ መደበር ፖሊስ ቅድሚ ምእታዋ እናኸደት እሱራት ትበጽሕ ነይራ። ኲናት ምስተወለዐ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝኾና እናረኸበት ተዘራርበን ነይራ። ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ተጸሚዳ’ያ ጸኒሓ” ክብል ነቲ ዝነበረትሉ ኩነታት ገሊጹ።
መዓዛ ክሳብ ሎሚ ጠበቓ ከምዘይቆመላን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበትን ዝዛረብ ሓዋ፡ ኣደ ቆልዓን ንስድራ እትጥውርን ብምንባራ ማእሰርታ ንሙሉእ ቤተሰብ ከምዝጸለዎ ሓቢሩ።
ብወገን መንግስቲ ግን ንማእሰርትን ኩነታትን እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ዝተወሃበ መብርሂ የለን።
ሲፒጄ እንታይ በለ?
ንመሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ትካል ሲፒጄ፡ ወኪል ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝኾነት ሙቱኪ ሙማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ኣብ ዩቱዩብ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከምዝበጽሖምን እቲ ጉዳይ ዘሰንብድ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጻ።
“ነቶም ሓበሬታታት ንምርምሮም ኣለና። ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ምእዋጅ ንጋዜጠኛታት ዒላማ ዝገብሩ ኮይኑ፤ ኣብዚ ቅነ ንዕዘቦ ዘለና’ውን ምስዚ ዝኸይድ’ዩ። ሰበስልጣን ነቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፈትሑን እቲ ‘ብዙሓት ጸገማት ዘለውዎ ሕጊ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ’ ናጽነት ፕረስ ንምግዳብ ምጥቃም ደው ከብሉን ጻውዒትና ነቕርብ” ኢላ።
ወሲኻ ድማ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታቱ ውሑስ ናይ ምግባር ብቐዳምነት ዝስራዕ ሓላፍነት ከምዘለዎን ጋዜጠኛታት ከኣ ስርሖም ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ከለላ ክግበረሎም እምበር መጥቃዕቲ ክበጽሖም ከምዘይግባእን ተዛሪባ።
“እንተኾነ ጋዜጠኛታት እውን ስርሖም ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ናይ ሓደጋ ዳህሳስ ከካይዱ ከምኡ’ውን ነነብሶም ኮነ ንምንጪታቶም ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘኽእሉ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኢና ነተባብዕ” ኢላ።
ነዚ ድማ ሲፒጄ ኣብ ድረ-ገጹ [‘ዌብሳይት’] ንጥንቃቕ ዝሕግዙ ሓበሬታታት ከምዘዳለወን ናብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ከምዝተተርጎመን ሓቢራ።
“ጋዜጠኛታት ክንእሰር ኢና ዝብል ስግኣት እንተሃልይዎም ከኣ ናትና ሰብሞያ ከዘራርብዎም ይኽእሉ እዮም” ክትብል ገሊጻ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







