ኢትዮጵያ: ኣክቲቪስት እያስፔድ ተስፋዬ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, EYASPED TESFAYE/FACEBOOK
ኢትዮጵያዊ ንጡፍ ፖለቲካ (ኣክቲቪስት) እያስፔድ ተስፋዬ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ወላዲቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊፀን።
ወይዘሮ ተሻለች፡ ትማሊ ሰሉስ ኽዳን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸደኑ ኣካላት ፀጥታ ናብ መንበሪ ገዝአን ብምምፃእ ንወደን ኢያስፔድ ከምዝወስድዎ ንቢቢሲ ገሊፀን።
እቶም ኣካላት ፀጥታ መንበሪ ገዝአን ንሰዓታት ከምዝፈተሽዎ’ውን ሓቢረን።
እቶም ኣባላት ፖሊስ ኢያስፔድ ዝነብረሉ ገዛ ካብ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 7፡00 ኣቆፃፅራ ግእዝ ፈቲሸሞ ኢለን።
ምኽንያት ምእሳር ወደን ከምዘይተነገረንን፡ ሕቶ ኣብ ዘቕረባሉ እዋን ድማ እቶም ፖሊስ ከምዝተቖጥዕወን ንቢቢሲ ገሊፀን።
ወይዘሮ ተሻለች፡ “ክሓቶም ከለኹ ንድር ንድር ይብሉ ኔሮም። ናህተይን ናይቶም ፖሊስን ምጭቕጫቕ ንወደይ ከሻቕሎ’ዩ ኢለ ሱቕ ኢለ” ብምባል፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ ንወደን ንምንታይ ይወስድዎ ከምዘለዉ ኣጥቢቐን ካብ ምሕታት ከምዝተቖጠባ ተዛሪበን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልእ ስሞም ከይፅራሕ ዝሓተቱ ስድራ እያስፔድ ድማ፡ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተፍትሽ ከምዘካየዱን ኣብ መወዳእታ ንሕቶ ትድለ ኢኻ ብምባል ንእያስፔድ ሒዘሞ ከምዝኸዱ ገሊፆም።
እዞም ኣባል ስድራ ከምዝብልዎ: እቶም ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ቅድሚ ምፍታሾም ንነዊሕ ሰዓታት ትእዛዝ ይፅበዩ ከምዘለዉ ብምዝራብ ክፅበዩ ከምዝፀንሑ ሓቢሮም።
ቢቢሲ፡ እያስፔድ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰረ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ወሃቢቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
ኣደ እያስፔድ ወይዘሮ ተሻለች፡ ብሰንኪ እቲ ተግባራዊ ኮይኑ ዘሎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ መንበሪ ገዝአን እንክፍትሹ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንከርእይወን ምሕታት ከምዘይከኣላ ገሊፀን።
እቶም ኣካላት ፀጥታ ድሕርቲ ነዊሕ ተፍትሽ እያስፔድ ዝጥቀመሎም ላፕቶፕን ሞባይልን ከምዝወሰዱ ሓቢረን።
“ኣነ እግረይ ተሰይረ ይሕክመኒ’ዩ ኔሩ። ናብ ገዛ ኣትዮም ንዝሓተትዎ ሕቶታት ይምልሰሎም ኔሩ። ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ስለዝነበርኩ ብትኽክል ዝተዛረብዎ ነገር ኣይሰማዕኹን” ኢለን።
ናብ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሒዘሞ ከምዝኸዱ ምስተዛረቡ ድማ፡ ሓፍቱ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ብምስዓብ ኣበይ ከምዝኣሰርዎ ከምዘረጋገፀት ተዛሪበን።
እያስፔድመን እዩ?
እያስፔድ ንብዙሕ ዓመታት ብፖለቲካዊ ተቓውሞን ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ማሕበረሰብ ብምንቃሕን ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዝተጣየሸ ብዩቲዩብ ኣብ ዝመሓለለፍ ሚድያ ‘ኡበንቱ’ ዝሰርሕ እያስፔድ ተስፋዬ፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገፂኡ ብተደጋጋሚ ከምዝተኣሰረ ናይ ቀረባ መሓዙቱ ይገልፁ።
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ካልኦት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ተኣሲሩ ኔሩ።
ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ስዒቡ’ውን ተኣሲሩ ኔሩ።
ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ንጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብምሓዝ እዩ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







