ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግፍዕታት ፈጺሞም ክብሉ ኣምነስቲን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ከሲሶም

ብምኽንያት እቲ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚሊየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተፈናቐሉ ይግለጽ

ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ "ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለትን ግዱድ ምስጓግን ተወለድቲ ትራይ" ከምዝፈጸሙ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ከሲሶም።

ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ "ካብቲ ሓድሽ ማዕበል ግፍዕታት ክሃድሙ ዝፈተኑ ሲቪላውያን ተጋሩ መጥቃዕቲ ወሪድዎምን ተቐቲሎምን" ኢሎም።

ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ካልኦት'ውን፡ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን፡ ስቅያት፡ ንጥምየትን ምሕራም ሕክምናዊ ክንክንን ተቓሊዖም ከምዘለዉን እቶም ተሓለቕቲ ትካላት ገሊጾም።

ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ኣብ ዘቕርብዎ ጸብጻባት ኣድልዎ የርእዩ ኣለዉ ክብሉ ሰብመዚ መንግስቲ ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ንዝካየድ መጥቃዕቲታት ብህጹጽ ደው ከብልዎን፡ እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተኣስሩ ክፍትሑን፡ ትካላት ረዲኤት ናብ ምዕራብ ትግራይ ክኣትዋ ክፍቀደለንን እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ጸዊዖም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላ ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ፡ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብሰራዊት ፈደራል ዝተደገፉ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሮም ንምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ተቖጻጺሮም ይርከቡ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ምውጻእ ሓይልታት መንግስቲን ክልል ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ሓደ ካብ ቅደመ-ኩነታት ንሰላም ከቕርብዎ ጸኒሖም'ዮም።

ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሮም ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲን መላፍንቶምን ብዝወሰድዎ መጥቃዕትታት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምቁጽጻሮም ይፍለጥ።

ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ብ2 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብኣብ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተፈናቐሉ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሮም፡ መጽናዕቲ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ናይ ክልል ኣምሓራ፡ ፖሊስ፡ ሚሊሻን ዕጡቓት ፋኖን "ብዝተወደበ መልክዕ ኣብ ኣደባይ፡ ሑመራን ራውያን ተጋሩ ገፊፎም" ኢሎም።

"እዞም ሓይልታት ንስድራቤታት ብምፍልላይ፡ ካብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ብምእሳር፡ ነቶም ደቂ-ኣንስትዮ፡ ቆልዑ፡ ሕሙማትን ዓበይትን ካብቲ ከባቢ ሰጒጎሞም" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ነቶም ካብቲ ግፋ ክሃድሙ ዝፈተኑ ድማ ንገሊኦም ብጥይት ክቐትልዎም እንከለዉ፡ ንካልኦት ድማ ብበትሪ ከምዝሃረምዎም፡ ገለ ካብቶም ነቲ ጸብጻብ ብቴለፎን ቃሎም ዝሃቡ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ሓደ ሓረስታይ ኣደባይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "'ንዝኾነ ኣብ ቀረብኦም ዝጸንሖም ክትኩስሉ ጀሚሮም. . .ክሃድሙ ምስ ፈተኑ [ፋኖ] ብጎዞሞን ፋስን ኣጥቂዖሞም . . .ሬሳታት እናራኣና ሓሊፍና፡ ኩላትና ኢና ሰንቢድና" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ነቲ ፍጻመ ዝገልጽ ኩነታት ካብ 19 ሕዳር ክሳብ 5 ታሕሳስ 2021 ዝተራእየ ናይ ሳተላይት ዝንቀሳቐሳ መካይን፡ ብጉጅለታት ዝተኣከቡ ሰባት ከምዘርእዩ ሓቢሮም። ኣብ ማእከል ከተማ ሑመራ'ውን 16 ናይ ጽዕነት መካይን ብ5 ታሕሳስ ከምዝተራእያ ጠቒሶም።

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ገለ ካብቶም ግዳያት፡ ካብቲ ቦታ ሃዲሞም ወይ ተሰጒጎም ናብ ማእከላይ ትግራይ ከምዝኸዱ'ውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ'ሎ።

ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንክብደት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጻት ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ነቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ከቢድ ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝምርምር ናጻ ዓለምለኻዊ ኣካል ብህጹጽ ከቕውምን፡ ነቶም ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዘለዉ ተሓተቲ ከለልዮምን" እቲ መግለጺ ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ቅትለትን ዕንወት ንብረትን ዝርከቦም ምግሃስ መሰላትን ግፍዕታትን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

እቲ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።

ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ተበግሶታት ክሳብ ሕጂ ዘፍረዮ ጭቡጥ ነገር የለን።