ኢትዮጵያ ብሕቶ ሕብረት ኣውሮጳ ንዝካየድ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ተቓዊማ

የአውሮፓ ሕብረት ባንዲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብመሰረት ሕብረት ኣውሮጳ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንመጻኢ ዓርቢ ፍሉይ ኣኼባ ንምክያድ ዝሓዞ ትልሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓዊሙዎ፡፡

ሕብረት ኣውሮጳ ፍሉይ ኣኼባ ክካየድ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ካብ 47 ኣባላት እቲ ቤት ምኽርን ተዓዘብተን ሲሶ ድጋፍ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምእትርከቦም ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡

ኢትዮጵያ ግና ብመሰረት እቲ ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ ምርመራ፡ ስጉምቲ ትወስድ ኣብ ዘላትሉ እዋን ፍሉይ ኣኼባ ምጽዋዕ "ፖለቲካዊ ድልየት" ዘለዎ እዩ ክትብል ተቓዊማ፡፡

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውጽኢት እቲ ምርመራ ብኣወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልጹ ዝጸንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነጺጎምዎ፡፡

እቲ ብሕቶ ሕብረት ኣውሮጳን ተዓዘብትን ዝካየድ ኣኼባ ነቶም ብኹሎም ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ዝተፈጸሙ ግህሰታት መሰላት ዘውግዝ ናይ ውሳነ ሓሳብ ከቕርብ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ እዚ ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ምርመራ ዘካይድ ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ክጣየሽ ክገብር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ብወገን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ኣብ ጀኔቫ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ከምዝሓዘነን ከምዘይተረደኦን ገሊጹ፡፡

ቅድም ክብል ሓበራዊ ምርመራ ተኻይዱ ውጽኢት እውን ዕላዊ ከምዝተገበረን ስጉምቲ ንምውሳድ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎን ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ፍሉይ ኣኼባ ጻዕሪ መንግስቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ክካየድ ተተሊሙ ዘሎ ኣኼባ ፖለቲካዊ ድልየት ንምፍጻም ዝዓለመ እዩ ክብል ተቓዊምዎ፡፡

በዚ መሰረት ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ፍሉይ ስብሰባ ብምቅዋም ድምጺ ክህቡ ኢትዮጵያ ጸዊዓ፡፡

ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ ምርመራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ኩሎም ወገናት ጥሕሰት ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ብወገና እቶም ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ክኾኑ ከምዝኽሉ ሓቢራ ነይራ፡፡

በቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተስፋሕፈሐ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ፡ ሚልዮናት ኣደዳ ጥምየትን ምፍንቓልን ኮይኖም እዮም፡፡

እቶም ተጻባእቲ ወገናት ኲናት ደው ኣቢሎም ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝርከቡዎም ትካላትን ሃገራትን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን፡፡