ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ንዝተፈጸመ ግህሰታት ዘጻሪ ኮሚሽን ክምስረት ወሲኑ

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝዘተየ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ሕዚ'ውን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዙሓት ኣካላት ናብ ዝሳተፍሉ ጎንፂ ከምርሕ ከምዝኽእል'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣጠንቂቑ።

በቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኸሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ኮሚሽን ካልእ "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ኣለዎ ብምባል ተቓዊሞንኦ ኣለዋ።

ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ሰለስተ ኣባላት ዝህልውዎ ኮሚሽን ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ክህልዎ ምዃኑ እማመ ናይቲ ቤት ምኽሪ ይጠቅስ። ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ብፕረዚደንት ናይቲ ቤትምኽሪ ክሕረዩ ምዃኖም እቲ እማመ የረድእ።

"ነቲ ካብ 3 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝብሃል ክስታት ዓመጻትን ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰባዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነትን፡ ከሙ'ውን ዓለምለኻዊ ሕግታት ስደተኛታት ምሉእን ዘይሻራውን መርመራ" ከካይድ ዝምዘዝ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ኣብቲ ግጭት ክሳተፉ ዝጸንሑ ብሓይልታት ጸጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ እማመ፡ ብ21 ድጋፍ፣ 15 ተቓውሞን 11 ድምፀ ተዓቅቦን ኣፅዲቕዎ ኣሎ።

ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣርጀንቲና፣ ኣርመንያ፣ ጀርመን፣ ኦስትርያ፣ ባሃማስ፣ ባሕሬን፣ ብራዚል፣ቡልጋርያ፣ ቸክ ሪፐብሊክ፣ዴንማርክ፣ ፊጂ፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ ማርሻል ኣይላንድስ፣ ሜክሲኮ፣ኔዘርላንድስ፣ ፖላንድ፣ ሪፐብሊክ ኦፍ ኮርያ፣ ዩክሬንን ኡራጋይን፡ ነቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘጻሪ ኮምሽን ክቐውም ድጋፈን ዝሃባ እየን።

ኤርትራ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ሶማልያ፣ ህንዲ፣ ኮትዲቫር፣ ኩባ፣ ካሜሮን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጋቦን፣ ናሚብያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ቬንዝዋላን ድማ ነቲ እማማ ተቓዊመንኦ።

ሃገራት ሱዳን፣ ባሕሬን፣ ባንግላዲሽ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ሊቢያ፣ ማላዊ፣ ሞሪታንያ፣ ኔፓል፣ ሰኔጋል፣ ቶጎን ኡዝበኪስታንን ዝኣመሰላ 11 ሃገራት ድምፀ ተዓቅቦ ክገብራ መሪጸን።

ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብኣወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም።

ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ዘለዎ እዩ ክብል ተቓዊሚዎ ኔሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ግን፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ መርመራ "ዝምልእ" ምዃኑ ኣነጺሩ'ሎ።

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኵናት፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ መንግስቲ ስርሒት ሕጊ ምኽባር ብምባል ኵናት ምስ ኣወጀ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሰራዊት ፌዴራል ኣብ መጀመርታ ሰሙናት ናይቲ ኵናት ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ብምቁጽጻር 28 ሕዳር 2020 ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ክቆጻጸርዋ ክኢሎም ነይሮም።

ኣብ በረኻታት ኮይኖም ደባይ ውግእ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ ድማ ዳግማይ ብምውድዳብ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓን ኤርትራን መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ንከተማ መቀለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ብምቁጽጻር ላዕለዋይ ኢድ ናይቲ ኵናት ክሕዙ ጀሚሮም።

ምስ ምትሓዝ መቐለ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ብምእዋጅ ካብ መብዛሕትኡ ክፋል ክልል ትግራይ ዝወጽአ ሰራዊት ፌደራል፡ ናይ መከላኸሊ ዕርዱ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን'ዃ እንተገበረ፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ክሳብ እታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 130 ኪሎ ሜትር ርሒቃ እትርከብ ከተማ ደብረሲና ዝብጸሑ ዓጋቲ ኣይነበሮን።

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

በዚ ኸኣ እቲ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ሰጊሩ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ክልሕም ክኢሉ።

ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ክሳብ ገበናት ኵናት ክብሃል ዝከኣል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ምስዋርን ካልእን ዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት ሃገራት 100 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ኣብ ዘቅረበሉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ደብዳብ ከተማታት፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጻትን ካልእን ዝርከቦም ዓበይቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ምግላጹ ይዝከር።

ትማሊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ 'ሓድሽ ማዕበል ግፍዕታት' ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።

ኣብቲ ግፍዕታት ይካየደሉ ኣሎ ዝብሃል ቦታታት መስመራት መራኸቢታት ስለ ዘየለን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ቦታ ክኣትዋ ስለ ዘይተፈቐደለንን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻኣለን ዘሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይፍጸም ክቆጻጸር ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ብምዝክኻር፡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጻሪ ዓለምለኻዊት ጉጅል ከቑማ ጸዊዑ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ ጻውዒት 'ፖለቲካዊ ድፍኢት' ዘለዎ'ዩ ብምባል ኣብቲ እማመ ዘለዋ ተቃውሞ ምስማዓ'ውን ይፍለጥ።

ብሰንኪ ኵናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ካብ ዝኽፈት ክሳብ ሕጂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ ብጥሜትን ዓጸባን ተጠቒዖም ምህላዎም ጸብጻባት ወሃብቲ ረድኤት ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እቲ ግጭት ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ክፈናቐል እንከሎ 5.6 ሚልዮን ድማ በቲ ግጭት ከም ዝተጸልወ ይሕበር።

ኣብ ክልል ዓፋር እውን ኣስታት 260 ሽሕ ህዝቢ በቲ ግጭት ክጽሎ እንከሎ 100 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ድማ ከም ዝተፈናቐለ ይጥቀስ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ናብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ በረራታት ዳግም ከም ዝጀመረን ንትካላት ረዲኤት ንመንቀሳቐሲ ዘድልዮም ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ ናብቲ ክልል ከእትዉ ከም ዝተፈቕደሎምን ምሕባራ ይዝክር።