ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 23 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, IFRC
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣስታት 23 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘደልዮም ዓለምለኻውያን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ከምኡ’ውን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሚልዮናት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቀሉን ናብርኦም ናብ ዝተሓተ ደረጅ ንኽወርድን ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊጹ።
ዋና ጽሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቐል ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ጠሃ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ደርቂ፡ ሕጽረት መግቢ፡ ወራር፡ ሕማም ኣዝርእትን ምፍንቃል ዜጋታትን ንቁጽሪ ተጸበይቲ ረድኤት ከምዘንሃሮ ሓቢረ።
ብምቅጻል “ብቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ህይወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ክኣቱ እዩ” ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ብክሊማዊ ለውጢ፡ ወራር ኣንበጣ፡ ሕጽረት ዝናብ፡ ኪቪድ-19 ከምኡ’ውን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ተቃሊዓ ምንባራ ብምግላጽ፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ኵናት ምጽማዳ ንቁጽሪ ተጸበይቲ ረድኤት ዝያዳ ክንህር ምኽንያት ከምዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ጠሃ ኣብሪሁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሕጽረት መግቢ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝበጽሕ ብምሕባር፡ መግቢ፡ ማይ፡ ገንዘብ፡ ኣገልግሎታት ሕክምና፡ መጽለሊ፡ ናይ ስነልቦና ሓገዛትን ካልእን ብህጹጽ ከምዘድሊ ኣብቲ ናይ ሓበራዊ መግለጺ ተገሊጹ።
እተን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን፡ ዝህብኦ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘስፍሓ ብምግላጽ፡ 660 ሽሕ ሰባት መጽለሊ፡ መግቢ፡ ማይ፡ ገንዘብን ካልኦትን ቀረባት ከምዝረኽቡ ምግባረን ኣፍሊጠን።
ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣፍሪቃ መሓመድ ሙክታር ብወገኑ “ምስ መሻርኽትና ብምዃን ረድኤት ንምሃብ ዝክኣለና ንገብር ኣለና፡ እንተኾነ እቲ ዝውሃብ ዘሎ ረድኤት ምስ ብዝሒ ተጸበይቲ ብምንጽጻር እኹል ኣይኮነን” ኢሉ።
ብምቅጻል ንኹሉ እቲ ሓገዝ ዘድለዮ ሰብ ረድኤት ንኽረክብ ኣስታተ 27 ሚልዮን ስዊዝ ፍራን ከምዘድሊ ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ናይ መግቢ፡ መጽለልን ገንዘብን ሓገዛት ከምዝተገበረሎም’ውን ኣቶ መሓመድ ሙኽታር ሓቢሩ።
እቶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳንን ጁቡትን ዝተሰደዱ’ውን ብቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ረድኤት ከምዝተውሃቦም እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።
ምፍንቃልን ቀረብ ረድኤትን
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ]፡ ሕጂ’ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ፡ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ሰባት ይፈናቀሉ ምህላዎም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ሽዋን ሽዋ ሮቢትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብሮም ተፈናቂሎም ናብ ክልል ዓፋር ከምዝተሰሰዱ ገሊጹ።
ብኣሽሓት ዝቁጸሩ’ውን ካብ ወልድያን ላሊበላን ተፈናቂሎም ኣለዉ።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ኣሽሓት’ውን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ተዓቒቦም ምህላዎም ተገሊጹ።
ክልል ትግራይ
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ 44 ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ብክልል ዓፋር ኣቢልን ናብ ከተማ መቀለ ከምዝኣተዋ ኦቻ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኦቻ ኣብ መግለጺኡ “ቅድሚ ሰሙን’ውን 157 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ተሰዲደን ኣለዋ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ስለዘድልያ ምስቲ ጠለብ ብምንጽጻር እቲ ዝልኣኽ ዘሎ እኹል ኣይኮነን” ኢሉ።
ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተወሰነ መድሃኒት ብነፋሪት ከምዝተለኣኸ ብምሕባር፡ ካብ መርሒ ነሓሰ ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ ነዳዲ፡ መድሃኒት ኮነ ናውቲ ሕክምና ከምዘይተለኣኸ’ውን ተገሊጹ።
ካብ 25 ጥቅምቲ ክሳብ 1 ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ን43 ሽሕ ህዝቢ ረድኤት ከምዝተውሃበ ብምግላጽ፡ እዚ ነቶም ኣብ መወዳእታ ዝተፈናቐሉ 10 ሽሕ ሰባት ዘጠቓለለ ከምዝኮነ ኦቻ ኣመልኪቱ።
ክልል ኣምሓራ
ኦቻ “ኣብ ደሴን ኦምቦልቻን ዝተገበረ ዳህሳስ ከምዝርእዮ፡ ማእከላት ሕክምናን መኻዚኖታት ናይ መግብን ተሰሪቖም እዮም” ኢሉ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ን947 ሽሕ ሰባት ረድኤት ከምዝተዓደለ ብምዝኽኻር እዚ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረድኤት ዝተዓደሎም 370 ሽሕ ዝሓቖፈ ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ንሰለስተ ሆስፒታላትን 19 ማእከላት ጥዕናን ሓገዝ ክውሃብ ተጀሚሩ ኣሎ።
29 እናተንቀሳቀሱ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ናይ መግቢ ሓገዛትን ዝህቡ ጉጅለታት ከምዝቆሙ’ውን ኦቻ ኣፍሊጡ።
ክልል ዓፋር
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 16 ሽሕ ነበርቲ ክልል ዓፋር ረድኤት ተዓዲልዎም።
ልዕሊ 26 ሽሕ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት’ውን ደገፋት ጽሩይ ማይን መጽልለን ከምዝተገበረሎም ኦቻ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ 30 እናተንቀሳቀሱ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ናይ መግቢ ሓገዛትን ዝህቡ ጉጅለታት ከምዝቆሙ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







