ስደት፡102 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም

176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም

ምንጪ ስእሊ, Ministy of charge of Emergency Management

102 ኤርትራውያንን 3 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም 176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም።

ካብቶም ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት 142 ደቂ ተባዕትዮን 34 ደቂ ኣንስት ኮይኖም። 102 ኤርትራውያን፡ 52 ሱዳናውያን፡ 5 ሶማልያውያን፡ ኣርባዕተ ደቡብ ሱዳናውያንን ሰለስተ ኢትዮጵያውያንን ይርከብዎም።

ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ስደተኛታት ክሰጋገሩ እዚ ንሻውዓይ ግዜ እዩ።.

ኣብ መስከረም 2019 እቶም ቀዳማይ ጉጅለ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ምስግጋሮም ዝዝከር ኮይኑ ብሓፈሻ ክሳብ ሕጂ 648 ስደተኛታት ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

ካብዚኦም እቶም 462 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ስዊድን፡ ካናዳ፡ ኖርወይ፡ ፈረንሳን ቤልጂምን ከምዝተሰጋገሩ ሚኒሰትሪ ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ርዋንዳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም 2019 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

መንግስቲ ርዋንዳ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹኡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክቅበል'ዩ ኣብቲ ስምምዕ ከቲሙ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሊብያ ኣብ መጀመርታ ብ27 መስከረም 2019፡ 66 ሽደተኛታት ተቐቢላ።

ኣብ 11 ጥቅምቲ 2019 እውን 106 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ኣውጺኣ።

ኣብ 25 ሕዳር 2019 ኸኣ 117 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብምውጻእ ናብቲ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣእትያቶም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2020 እውን 67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ምስግጋሮም ዝዝከር እዩ።

ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ዕጡቓትን ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ እታ ሃገርን ብዝካየድ ኵናት ብተደጋጋሚ ክጎናደብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር’ውን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 172 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጨንፈር ሊብያ ምሕባሩ ይዝከር።

176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም

ምንጪ ስእሊ, Ministy of charge of Emergency Management

ብዝሒኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት: 1 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ሊብያ ካብ ዘለዉ 43,113 ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን እቶም ዝበዝሑ ሱዳናውያን ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሊብያ ብዝርከቡ ብብዝሒ ስደተኛታት ሳልሰይትን ሻዱሸይትን ተርታ ተሰሪዐን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊብያ 17,733 ሓተትቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፡ 4,635 ኤርትራውያን 1,023 ኢትዮጵያውያንን ይርከብዎም።

ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ካብ ኢራቕ፣ ሶርያ፣ ፍሊስጤም፣ ኢትዩጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝሕልኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዘለዉ እዩ ጸብጻብ ዩኤንኤችሲኣር ዝሕብር።