ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ንከይኣቱ ደው ዘብሎ ነገር እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ኣድላዩ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድልዮም ከባቢታት ቀረብ ንከይበጽሕ ዕንቅፋት ኮይኑ’ሎ።
ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝገልጾ ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብሰንኪ ከቢድ ደርቂን ኲናት ዘስዓቦ ዕግርግርን ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሰራሕተኛታትን መኽዘንን ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP) መጥቃዕቲ ስለዘጋጠመ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ክልተ ናይ ዕደላ ኑቕጣታት፡ ምዕዳል ረድኤት ጠጠው ከምዝበለ ይፍለጥ።
ናይረድኤትቃፍላይ [መኻይን] ክሓልፋኣይከኣላን
እቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ እንኮ ዘተኣማምን መገዲ እቲ ብጎረቤት ክልል ዓፋር ዝግበር ጉዕዞ እዩ ። እቲ በዚ መስመር’ዚ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ረዲኤት ከኣ ብዙሕ ግዜ ብሰንኪ ኩናትን ቢሮክራሲያዊ ጸገምን ክደናጘ ጸኒሑ ኣሎ።
ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዝኾነት ናይ ረድኤት መኪና ነዚ መገዲ እዚ ክትጥቀሙሉ ኣይከኣለትን።
ይኹን እምበር ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ልዕሊ 200 ናይ ጽዕነት ማካይን ናብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ በጺሐን ኣለዋ ።
ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP) ካብተን ናብ ትግራይ ረድኤት ከብጽሓ ዝኸዳ ኣስታት 900 ዓበይቲ ማካይን ስለዘይተመልሳ እዚ እውን ሻቕሎትን ስግኣትን ፈጢሩ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ነተን ናይ ጽዕነት መካይን ንረብሐኦም ይጥቀሙለን ከምዘለው እኳ እንተኸሰሰ ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸገም ንምቅላል መዓልታዊ 100 ዝዀና ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘድልያ ይሕብር።
ናይ አሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ምዕባለ (USAID)፡ “እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እቲ ዝኸፍአ እዩ” ይብል ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ካልእ መስመራት ዕጹው እዩ ዘሎ። መሻርኽቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ብደቡብ ትግራይ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይኣቱ ይኽልክሉ ምህላዎም ይግለጽ።
ናብቲ ዞባ ዝለሓመ ኲናት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ንብዙሕ ሰብ ካብ ቤት ንብረቱ ብምምዝባል ቅሳነት ሓሪሙዎም ኣሎ።
መንግስቲ ኣመሪካ ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካየዱዎ ኵናት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናይ ረዲኤት መኽዘን ከም ዝዘረፉን፡ ናብቲ ዝሓዙዎ ከባቢ ረድኤት ንከይኣቱ ይዕንቅፉ ከምዘለው ይኸሶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP)፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኮምቦልቻ ተመሊሶም ቅድሚ ምሓዞም እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ኣብቲ ከተማ ንዝነበረ ማዕከን ረድኤት ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝዘረፉዎ ይኸስስ።
“ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰራሕተኛታተይ፡ ብጠበንጃን ሓይልን ከቢድ ምፍርራሕ ስለዘጋጠሞም ነቲ ዘረፋ ክዓግቱዎን ንመኽዘናቶም ክከላኸሉ ኣይከኣሉን” ይብል።
ስለዝኾነ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ኮምቦልቻን ደሴን ዝርከብአን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተታሕዘ ከተማታትን ረድኤት ክዕድል ኣይከኣለን።
መስመር ሱዳን ብሓይልታት መንግስቲ ስለዝተታሕዘ ብመገዲ ሱዳን፡ ናብ ምዕራባዊ ትግራይ ረድኤት ኣይተኽኣለን።
እቲ ግጭት እናገደደ ይኸይድ ስለዘሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ምግቢ ከበጻጽሑ ከቢድ ጸገም የንጸላልዎም ኣሎ። ምንቅስቓስ ገበርቲ ሰናይ በቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣዝዩ ከምዝተጸልወ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ይሕብር።
እቲ ኣብ መንጎ መቐለን ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝግበር ዝነበረ ስሩዕ በረራታት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዝበሎ ከባቢታት ተኸታታሊ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ክካየድ ስለዝጸንሐ ካብ 22 ጥቅምቲ ንደሓር ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ከም ቀደሙ በረራ ከምዝጀመረ’ዩ ዝግለጽ።
ዩኤስኤይድ ዝተባህለ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንረድኤት ዘድሊ ናይ መራኸቢታት፡ ናይ ባንክን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ስለዘቋረጸ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሓውሲ እውጅ ከበባን ዕጽዋን ፈጢሩ ኣሎ" ይብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህወሓት ብወገን ክልል ዓፈር ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከይኣቱ ከምዝዓንቀፈ ይኸስስ። ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ንመንግስቲ ፈደራል ይወቕሱ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ " [መንግስቲ ፈደራል ]ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ (ትራፊክ) ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ንዝፍጠር ግጭት ከም መመሳመሲ ተጠቒሙ ናብ ትግራይ ረድኤት ንከይኣቱ ኩሉ ዓይነት ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሓደ ሓደ ሽሞም ዘይገለጾም ናይ ረድኤት ትካላት ናብ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋርን ካልእ ናውትን ከመሓላልፉ መንግስቲ ሒዙዎም ክብል ይኸስስ።
ሓካይም ብዘይዶብ ዝተሰምየ ትካል ብመንግስቲ ዝወሃብ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ንጥፈታት ትካላት ረድኤትን ብዓይኒ ጥርጣረ ከምዝረአ ይገብር ስለዘሎ ንድሕነት ሰራሕተኛታቱን ሕሙማቱን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ይሕብር።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓሚ ሕዳር እቲ ግጭት ካብ ዝባራዕ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ 23 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም እተቐትሉ ይገልጽ።
ኣህጉራዊ ዕዮ ረድኤት እውን ከቢድ ቊጠባዊ ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግጣም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣስታት 350 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ምወላ፡ ንመላእ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ከኣ 1.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ኣገልግሎት ኤለትሪክን መራኸቢን ብዘይምህላው ምንም ሓበሬታ ስለዘይርከብ ናብ ዝምልከቶም ግዳያት ኣገዳሲ ረድኤታዊ ኣገልግሎት ንከይበጽሕ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን፤ ከምኡ እውን ብሰንኪ ምዕጻው ኣገልግሎት መራኸቢታት ሰብኣዊ ኣገልግሎት በቲ ዘድልን ዝግባእን መገዲ ዳግም ንኸይጅምር ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ" ይብል። እዚ ጸብጻብ እዚ ፈለማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ተሓቲሙ እኳ እንተነበረ ሕጂ ከኣ ንእዋናዊ ሓበሬታ ኣካቲቱ ዳግማይ ይሕተም ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







