106 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT
ሎሚ ሰዓት 1፡30 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብበዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም።
ሎሚ ለይቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም ክጸንሑ።
እዞም 123 ስደተኛታት ምስቶም ኣቐዲሞም ብዕለት 27 መስከረም 2019 ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 66 ስደተኛታት ክሕወሱ እዮም።
ከይቲ ዝተብሃለት መደብር ዜና ርዋንዳ ንሚኒሰትሪ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ጠቂሳ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ፡ ካብዞም 123 ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ እቶም 99 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 24 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT
እዞም ናብ ርዋንዳ ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ሓፈሻዊ ዕድሜኦም ካብ 3 ክሳብ 23 ዓመት ኮይኑ፡ 59 ትሕቲ ዕድመ ይርከብዎም።
እዞም ብምትሕብባር መንግስቲ ርዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፤ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ ዜጋታት 4 ሃገራት ኮይኖም፡ 106 ኤርትራውያን፣ 15 ሶማሊያውያን፣ 2 ሱዳናውያን ከምኡ እውን ሓደ ሶርያዊ እዮም።
እዚ ምግዓዝ ስደተኛታት፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT
ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 500 ዝኾኑ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም'ዩ ኣብቲ እዋን ተነጊሩ ነይሩ።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







