106 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም

ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT

መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ሎሚ ሰዓት 1፡30 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብበዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም።

ሎሚ ለይቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም ክጸንሑ።

እዞም 123 ስደተኛታት ምስቶም ኣቐዲሞም ብዕለት 27 መስከረም 2019 ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 66 ስደተኛታት ክሕወሱ እዮም።

ከይቲ ዝተብሃለት መደብር ዜና ርዋንዳ ንሚኒሰትሪ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ጠቂሳ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ፡ ካብዞም 123 ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ እቶም 99 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 24 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT

መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

እዞም ናብ ርዋንዳ ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ሓፈሻዊ ዕድሜኦም ካብ 3 ክሳብ 23 ዓመት ኮይኑ፡ 59 ትሕቲ ዕድመ ይርከብዎም።

እዞም ብምትሕብባር መንግስቲ ርዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፤ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ ዜጋታት 4 ሃገራት ኮይኖም፡ 106 ኤርትራውያን፣ 15 ሶማሊያውያን፣ 2 ሱዳናውያን ከምኡ እውን ሓደ ሶርያዊ እዮም።

እዚ ምግዓዝ ስደተኛታት፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, RWANDA EMEREGENECY MANAGMENT

መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 500 ዝኾኑ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም'ዩ ኣብቲ እዋን ተነጊሩ ነይሩ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።