ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ፡ "ምስ ሞት ንፋታሕ ዘለና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ"

ርዋንዳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ተዳጒኖም ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቕበል ምስምማዓ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰሉስ እዩ ተቃሊሑ።
500 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ሊብያ ኮይኖም ኣውያቶም ከስምዑ ዝጸንሑ ስደተኛታት ነዚ ውሳነ እዚ ከመይ ተቐቢሎሞ? ዳንኤል ዝተብሃለ ኤርትራዊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ሞት ንፋታሓሉ እዋን ዝኣኸለ ይመስል ክብል እዩ ዝግልጾ።
"ኣብ ሊብያ ምንባርዶ ዘይምንባር ኣብ ዝብል ኢና ተቐርቒርና ጸኒሕና" ዝብል ዳንኤል "ምስ ሞት ተሓጺና ጸኒሕና ንፋታሕ ዘለና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ" ይውስኽ።
ኣብ ሊብያ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን ከም ዝገበሩ ዝገልጽ ዳንኤል፡ 'ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ' ዝብል ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝሰምዕዎ ይሕብር።
እቲ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ድማ፡ ኣብ ሓንጎሎም ካልእ ሕቶ ከም ዘለዓለሎም እዩ ዝጠቅስ።
"ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤችሲኣር እዚ ኩሉ እዋን ጌርና እዚ ናትና 'ኬዝ' ከም ብሓድሽ ድዩ 'ሀ' ኢሉ ክጅምር ዋላስ፡ ዝብል ሕቶ የተሓሳስበና ኣሎ"
ንምድረበዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሮም ኤውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛተታ በብዓመቱ ናብ ሊብያ የምርሑ።
እቶም ዝተትሓዙ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ እዮም ዝዳጎኑ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከባቢ 4,700 ሰባት፡ ብህጹጽ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ክወጹ ከም ዘድሊ ይግለጽ።
ኤርትራዊ ዳንኤል ከኣ ሓደ ካብኦም እዩ፡ ዳንኤል ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተሓበሮም ነገር ከም ዘየሎ ብምሕባር፡ እቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝግለጽ ዘሎ ቁጽሪ ግን ምስቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዛሚድካ ኣዝዩ ውሑድ ምኳኑ እዩ ዝገልጽ።
"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ርዋንዳ ዝኾነ ዝተሓበረና ነገር የለን፡ ገለ ሰባት 'ዓሻራ' [ኣሰር ኣጻብዕቲ] ሂቦም ኣለው፡ ኣብቲ ወረቐት ከኣ ናብ ርዋንዳ ዝብል ነይርዎ" ይብል።
ብምቕጻል "ድሕሪ ርዋንዳከ ጉዕዞ ሂወትና ናበይ ገጹ እዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ግን ገና ሻቕሎት ይፈጥርልና ኣሎ" ይውስኽ።
"ቅድሚ ሕጂ ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝኸዱ ነይሮም እዮም፡ ተመሊሶም በዚ ሳሃራ ከቋርጹ ሂወቶም ዝሓለፈ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን" ብምባል ኣብ ርዋንዳ ምንባር ይከኣል ድዩ ንዝብል ተስፋ፡ ሃሳስ ኮይኑ ከምዝርኣዮ ይገልጽ።
ሩዋንዳ፡ ነቶም ስደተኛታት መዕቆቢ ትህብ ዘላ፡ ገንዘብ ንክትቕበል እዩ ንዝብል ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ስደተኛታት ሩዋንዳ ጀረመይን ካማይረዝ፡ ነጺጋቶ'ያ። እታ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "እዚ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፤ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ከምዚ ክገብር ይግባእ" ኢላ።
መብዛሕትኦም ካብ ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ምስ በጽሑ፡ ዩኤንኤችሲኣር ነቲ ዘሎ ኣማራጺታት ክቕርበሎም ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን ካብ እስራኤል ስደተኛታት ትቕበል ነይራ እያ።

ምንጪ ስእሊ, FT
ፍሻለ ተስፋይ ሓደ ካብቶም ኣብ 2016 ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተመለሱን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኡጓንዳ ዝነብር ዘሎን ኤርትራዊ እዩ።
"ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ክንመጽእ እንከለና፡ በቲ ናይ እስራኤል ዝነበረ ጸቕጥን ኣማራጺ ዘይህብ ዕድላትን ኢና መጺእና፡ ኣብ ግዜኡ ከኣ ሩዋንዳ ንዓና ክትቕብል ካብ እስራኤል ኣጽዋር ትቕበል እያ ዝብል ዛዕባ ይልዓል ነይሩ እዩ፡ ብዝኾነ ኣብ ርዋንዳ ክልተ መዓልታት ጸኒሕና ካብ ሩዋንዳ ናብ ኡጋንዳ 'ብታህሪብ' ብኣስገርቲ ኢና ብመሬት ሰጊርና " ይብል።
ፍሻለ ተስፋይ፡ ካብ እስራኤል 7 ኤርትራውያን ብሓደ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝመጽኡን ምስቶም ድሕሪም ዝተሓወስዎም 4 ሰባት ኮይኖም ናብ ኡጓንዳ ከም ዝሰገሩን እዩ ዝገልጽ፡ ንምንታይ ኣብ ሩዋንዳ ናብርኡ ክመርሕ ዘይመረጸ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኡጓንዳ ብብዝሒ ኤርትራዊ ሕብርተሰብ ስለዘሎ ናብ ሕብረተሰብካ ምሕዋስ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ይገልጽ።
"ካልእ በቲ ሽዕኡ ንእክቦ ዝነበርና ሓበሬታ ናብ ካልእ ሃገር መንገድኻ ክትቕጽል እንተኮንካ፡ ኡጓንዳ ዝሓሸ ዕድላት ኣለዋ ዝብል እዩ ነይሩ" ይብል።
ብዛዕባ እዞም ካብ ሊብያ ርዋንዳ ክትቐበሎም ተሰማሚዓ ዘላ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስ መጽኡ እንታይ ከጋጥሞም ይክእል ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ፡ ህይወት ምኳኑ እዩ ዝገልጽ
"ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ እዮም ተቐርቂሮም ዘለዉ፡ ስለዚ እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ እዩ፡ ኣብዚ ምስ መጽኡኸ እንታይ ዕድላት እዩ ከጓንፎም ኣብ ዝብል ከኣ፡ ከማና ከም የሕዋቶም እዩ፡ ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ እዩ ሰለይ ዝብል ዘሎ፡ ካብኣ ናይ ምውጻእ ዕድል እንድሕር ረኺቦም ባዕሎም'ዮም ከመቕርዎ ዝኽእሉ" ይብል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







