ሩዋንዳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከትቅበል ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩዋንዳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ተዳጒኖም ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቅበል ተሰማሚዓ።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰሉስ እዩ ተገሊጹ።
ናይ መጀመርያ ዙርያ 500 ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎ ጉጅለ ከምዝኾነን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዝ ምዃኑን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ንምድረበዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሮም ኤውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛተታ በብዓመቱ ናብ ሊብያ የምርሑ።
እቶም ዝተትሓዙ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ እዮም ዝዳጎኑ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከባቢ 4,700 ሰባት፡ ብህጹጽ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ክወጹ ከም ዘድሊ ይግለጽ።
ሩዋንዳ ካብዚ እንታይ'ያ ክትረብሕ?
መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን፡ ሰብኡት ኣብ ሊብያ ከም ባራዩ ኣብ ዕዳጋ ክሽየጡ ዘርእይ ቪድዮ ምስ ዘርግሐ፡ ሩዋንዳ ኣብ 2017 እያ ነቶም ስደተኛታት ክትቕበሎም ከም እትኽእል ዘፍለጠት።
ሩዋንዳ፡ ነቶም ስደተኛታት መዕቆቢ ትህብ ዘላ፡ ገንዘብ ንክትቅበል እዩ ንዝብል ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ስደተኛታት ሩዋንዳ ጀረመይን ካማይረዝ፡ ነጺጋቶ።
እታ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "እዚ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፤ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ከምዚ ክገብር ይግባእ። ምስቶም ሩዋንዳ ገንዘብ ተቐቢላ እያ ዝብሉ ኣይሰማማዕን'የ" ኢላ።
መብዛሕትኦም ካብ ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ምስ በጽሑ፡ ዩኤንኤችሲኣር ነቲ ዘሎ ኣማራጺታት ክቕርበሎም ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
"ገሊኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክለኣኹ እዮም፡ ካልኦት ናብቲ ዑቕባ ተዋሂቦምሉ ዝነበሩ ሃገር ወይ ደማ ውሑስ ምስ ዝኸውን ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ እዮም" ድማ ይብል።
ወሲኹ'ውን "ገለ ድማ ብመሰረት ስምምዕ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ኣብ ሩዋንዳ ክነብሩ ክፍቀደሎም እዩ" ይብል።
ሩዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ካብ እስራኤል ዝተሰጎጉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቅበል እያ ዝብል ሓበሬታ ነጺጋ እያ።
እቲ ድሕረ ባይታ እንታይ ይመስል?
ፖሊሲ ምዕቋብ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይኣትው ንምኽልካል፡ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኣታተወ እዩ።
ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኒጀርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘሎ፡ ኣባል ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት ካሚል ለ ኮዝ ንቢቢሲ ሓቢራ። እቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስግጋር ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ኒጀር ክጸንሑ ይግበር።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒታት፡ ስደተኛታት ከዕቑቡ ብቑዓት ከም ዘይኮኑ ብምግላጽ፡ ኩሎም ክፈርሱ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒታት ዝተኣስሩ ስደተኛታት፡ ምቕጥቃጥ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሕጽረት መግብን፡ ከም ቲቢ ብዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ይገልጹ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ነቲ ኩነታት "ዘሰንብድን ኢሰብኣውን" ክብል እዩ ዝገልጾ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሊብያ ነቶም ኣብ ሚስራታ፡ ታጁራን ኮምስን ዝርከቡ ሰለስተ ዓበይቲ መዳጎኒ ስደተኛተት ንምዕጻው ከም ዝወጠነት ገሊጻ እያ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ግና፡ እቲ ምዕጻው፡ ስደተኛታት ነተን ዝተረፋ ማእከላት ዝያዳ ከጻብበወን ብምግባር ነቲ ኩነታት ከየጋገድዶ ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







