ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ግዒዞም

ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝኣተው ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም ዝነበሩ 66 ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ከም ዝኣተው ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብመሰረት፡ ስምምዕ መንግስቲ ሩዋንዳ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፤ እዞም እቶም ፈለምቲ ንሩዋንዳ ዝኣተው ስደተኛታት እዮም።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት፤ ኣብ ሩዋንዳ ምስኣተው ንዝተገረሎም ኣቀባብላ ንመንግስትን ህዝብን ሩዋንዳ ኣመስጊኑ።

ሩዋንዳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ተዳጒኖም ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቅበል ምኳና ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምግላጻ ይዝከር።

ብመሰረት'ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ 500 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም እዩ ኣብ እዋኑ ተነጊሩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ዜና እዚ ምዝርግሑ፡ ነቶም ኣብ ልብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዘዛራረብናሉ ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ካብ ሞት ንፋትሓሉ እዋን ዝኣኸለ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ ኢሉና ነይሩ።

ባኒን ፎርማጆን ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።