ውድብ መግቢ ዓለም፡ 'መኻዚኖታት ኮምቦልቻ ስለዝተሰረቑ ረድኤት ምሃብ ጠጠው ኣቢልና' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, WFP Ethiopia
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝነበሮ መኻዚኖታት ናይ ረድኤት ብሓይልታት ህወሓትን ገለ ነበርቲ እቲ ከባብን ስለዝተዘምተ ኣብቲ ኸባቢ ረድኤት ምሃብ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።
ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መግቢ ተኸዚንዎ ዝነበረ መኻዚኖታት ኣብ ዝተዘምተሉ እዋን ነቶም ነቲ መኻዚኖ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሰባት ብብረት ምፍርራሕ ከምዘጋጠሞም ገሊጹ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብቲ መኻዚኖታት ብሕጽረት መግቢ ንዝተጎድኡ ህጻናት ሓይሊ ዝህብ መግቢ ዝርከቦ ብዙሕ ንረድኤት ተባሂሉ ዝተዳለወ ንብረት ብሓልታት ህወሓት ተዘሚቱ ክበል ከሲሱ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ታየ ኣጽቀስላሴ ኣብዚ ጉዳይ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ 'ንነበርቲ እቲ ከባቢ ምኽሳስ ንግዳያት ከም ምውንጃል እዩ' ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ህወሓት 1,010 ናይ ረድኤት መካይን ኣብ ናይ ኲናት መዓላ ይጥቀመለን ከምዘሎ ብምጥቃስ እቲ ትካል ብምኽንያት ሰለስተ መካይን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ምኽሳሱ ኮኒኑ።
ህወሓት ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
እቶም ነቲ መኻዚኖ ዝሕልዎ ዝነበሩ ሰባት ብብረት ከይተረፈ ምምፍራሓት ስለዘጋጠሞም ነቲ ስርቂ ክኸላኸሉ ከምዘይክኣሉ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ።
እቲ ስርቂ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ንዝግበር ንጥፈታት ዝዕንቅፍ ምዃኑ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፋሊጡ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምስዓብ ሰለስተ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብን ናብን ረድኤት መመላለሲ ዝጥቀመልን ዝነበረ ተሽከርከርቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጥቀሙለን ምህላዎም'ውን ከሲሱ።
ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሓ ደሴን ኮምቦልቻን፡ ኣብዚ ሰሙን ሰራዊት ፌድራልን መላፍንቱን ከምዝተቆጻጸርወን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ሰራዊት ፌዴራልን መላፍንቱን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓያለ ከተማታትን ቦታታትን ካብ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዘዐ ይፍለጥ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ ቁጽሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ትካል ካብቶም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም 9.4 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ብዘይምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ነቶም 80 ሚኢታዊት ማለት 7.8 ሚልዮን ሰባት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሓሎም ከምዘይክኣለ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ናይቶም ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ብምግላጽ እቲ ቁጽሪ 3.7 ሚልዮን በጺሑ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ካብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝተረኸበ ሓበሬታት ከምዘመልክቶ ኣብተን ክልላት ካብ ዝርከቡ ህጻናት ካብ 16 ክሳብ 18 ሚኢታዊት ሕጽረት ዝተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ የመልክት።
ብዘይካ እዚ ካብተን ነፍሰጾራትን ኣደ ቆልዑን ዝኾና ኣዴታት እተን ኣስታት 50 ሚኢታዊት ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ኣጋጢምወን ከምዘሎ ብምግላጽ እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝቅጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ረድኤት ንምሃብ ንዘውጽኦ ውጥን መተግብሪ ዝኸውን ናይ 579 ሚልዮን ዶላር ሕጽረት ገንዘብ ከምዘጋጠሞ ገሊጹ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







