ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቡራት ሃገራት ንዘጣየሾ ዓለምለኻዊ መርማሪ ክተሓባበር ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክምርምር ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲቱ፡፡
እቲ ሕብረት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበልዎ ገበን ምጽጻይ ዓሌት ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ነቲ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡
ሕብረት ኣውሮጳ በቲ እቶም ትካላት ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጥሕሰት መሰላትን ግፍዕን ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ግህሰት መሰላት ዝምርምር ዘይሻራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መረዳእታታት ብምርካብን ተሓታትነት ክህሉ ብምግባርን፡ ብቕልጡፍ ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ ከም ዘድሊ ሓቢሩ፡፡
እቲ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘጠናኽር ከም ዝኾነ እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ፡፡
‘‘እቶም ምርመራታት ብቕልጡፍ ክጅመሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኮሚሽን ሙሉእ ብሙሉእ ክተሓባበር ሕብረት ኣውሮጳ ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ’’ ኢሉ፡፡
መንግስቲ ኣመሪካ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰታት ዝምልከት ብተሓለቕቲ መሰላት ዝወጽአ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክትሓባበር ሓቲቱ፡፡
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጊዝያዊ ኣመሓደርቲ፣ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ገበናትን ምስ ገበናት ኲናት ዝምደቡ ገበናት ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፈጺሞም ኢሎም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ጸብጻብ ተቐባልነት ዘይብሉ ክብል ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓቅነት እቶም ክልቲኦም ትካላት ነቲ ጉዳይ ንምምርማር ዝተጠቐሙሎም ፖለቲካዊ ጉዳያት ሕቶ ኣለኒ ኢሉ፡፡
ነቲ ግህሰታት ክምርምር ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ትካል ዝስላዕ በጀት ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ምድንጓዩ ከም ዘሕዘኖ ዝገለጸ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ናብ ሰላምን ዕርቅን ክመርሕ ዝተጣየሸ ኮምሽን ኩለን ሃገራት ሓገዝ ክገብራ ኣብ መግለጺኡ ጸዊዑ፡፡
ኢትዮጵያ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ሓድሽ መርማሪ ኮምሽን በጀት ከይስላዕ ናብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሓሳብ ኣቕሪባ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝተዋህበ ድምጺ፡ ጠለብ ኢትዮጵያ ውዱቕ ከም ዝተገበረ ዝዝከር እዩ፡፡
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዘይሻራዊ ጉጅለ ንምጥያሽ ወሲኑ፡፡
ብጠለብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝተሳለጠ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ብፕረዚደንት ሰብኣዊ ቤት ምኽሪ ዝሽየሙ ኣባላት ዝሓዘ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ንምጥያሽ ተወሲኑ፡፡
ነዚ ስዒቡ ዓቃቢት ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝነበረት ፋቱ በንሱዳ ኣዶ መንበር እቲ ኮሚሽን ኮይና ተሸይማ፡፡
ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኹንን ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ብተወሳኺ ኩሎም ጥሕሰታት መሰላት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝተማለአ፣ ድሕነቱ ዝተሓለወ፣ ቅልጡፍን ዘይተዓናቐፈን ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ዜጋታት ክኣቱ ከመቻችዉ ሓቲቱ፡፡
እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት ናይ ኣሻሓት ህይወት ዝበለዐ ኮይኑ፡ ሚልዮናት ብምፍንቓል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ፡፡
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ይሕብር፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







