ቅልውላው ትግራይ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, John Holmes for Human Rights Watch and Amnesty Int
ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።
ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈር ድማ እቶም ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቶም።
ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ጸብጻብ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ምፍርራሕ፣ ምስርጣይ፣ ብኣስገዳድ ካብቲ ከባቢ ክፈናቐሉ ብምግባር ከቢድ ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ነቶም ትካላት ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ተጋሩ 'ብሓይሊ ካብ ኣምሓራ ክወጽኡ ተገይሩ' ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ እዩ" ክብል ነጺጉዎ። 'ምዕራብ ትግራይ' ዝብል ኣገላልጻ'ውን ከመዘይቅበሎ ኣብ ምላሹ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ክልል ኣምሓራ ነቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘቕርበሉ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩዎ ምህላው ይፍለጥ።
ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ግና ኣይሰመረን።
ነቲ ኣብቲ ዞባ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ምግሃስ መሰላት ደው ንኽብልን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ቦታ ንኽኣቱን ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ትካላት ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝግበር ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብህጹጽ ኣኽባር ሰላም ሓይሊ ጸጥታ ክኣቱ ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
እቲ "'ካብዚ ምድሪ ከነጥፍኣኩም ኢና'፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ" ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸሙ የርኢ።
እንተኾነ፡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መሓዙት ኢትዮጵያ ክብደት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት ከርእያ ኣይክኣላን ክብል እቲ ጸብጻብ ነቒፉ።
"ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምጽጻይ ዓሌት ጠጠው ከብሉን ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብፍቓዶምን ድሕነቶም ብዝተሓለወን መልክዑ ናብ ቦትኦም ክምልሱ ኣለዎም" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ካብ ዝልሕም ንድሓር ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ከበድቲ ግህሰታት ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣምነስቲ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ገበናት ኲናት ክኸውን ዝኽእል፡ መጥቃዕቲታትን ጾታዊ ዓመጻትን ፈጺሞም ኢሉ ምክሳሱ ዝዝከር እዩ።
እዚ ሓድሽ ጸብጻብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ናይ መወዳእታ ግዜ፡ እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ፌደራል፣ ፌደላዊ ኤጀንሲታት ከምኡ'ውን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣመራርሓ ህወሓትን ምላሽ ንክህቡ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ዝልኣኹዎ ደብዳበ ሓቲቶም'ዮም።
ይኹን'ምበር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ጥራይ መልሲ ዝሃበ ኾይኑ፡ ነቲ ክሲ ገበናት ነጺግዎ ኣሎ።
ጸብጻብ እዞም ተሓለቕቲ መሰላት እንታይ ይብል?
እዚ ጸብጻብ ምስ 427 ሰባት ዝተገብረ ቃለ መሕትት፣ ናይ ሳተላይት ምስልታት፣ ቪድዮታትን ካልኦት ሓበሬታታትን ዝዳህሰሰ ኮይኑ ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ መጋቢት 2022 ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ግዜ ዝተኻየደ ናይ ነዊሕ ግዜ መጽናዕቲ ምዃኑ ሓቢሮም።
በዚ መሰረት፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ምስ ሓይልታት ፌደራል ብምዃን ሰፊሕን ስልታውን መጥቃዕቲ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከበድቲ ገበናት ከም ዝፈጸሙን እዚኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምኡ'ውን ገበናት ኲናት ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዞም ገበናት ቕትለት፣ ብኣስገዳድ ምስዋር፣ ምስርጣይ/ ምስቓይ፣ ምስጓግ ወይ ብሓይሊ ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ምግባር፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ጾታዊ ጊልያነትን ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ ግህሰታትን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ምጥፋእን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዝተፈጸሙ እቶም ትካላት ገሊጾም።
በዚ ምጽራይ፡ ሰብ መዚ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፣ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን እቲ ክልል ምስ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ኣብ ምዕራብ ትግራይ "ምጽጻይ ዓሌት" ከም ዝፈጸሙ ከነረጋግጽ ክኢልና ይብሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበራ መዓልታት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ'ዮም ዝብሃሉ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ማይ ካድራ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸሙ የዘኻኽር።
ኣብ ድልድል ተከዘ ድማ ብጥሪ 2013 ዓ.ም፡ ፋኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይስሩዕ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፈጸሞ ጨፍጫፍ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ ብ9 ጥሪ ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ፋኖን ሚሊሻ ወልቃይትን ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ኣከቡ ንደቂ ተባዕትዮ ፈልዮም ኣስታት 60 ተጋሩ ናብቲ ድልድል ብምውሳድ ከም ዝረሸኑዎም ሓቢሩ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንዝቐረበሉ ክስታት ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ክስታት ሓቃውነት ዘይብሎም ብምባል "ዝርብሹ" እዮም ኢሉ።
እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ "መንግስቲ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ኣወዳድባታት ከፍርስ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣባላት ሰራዊት ፌደራልን ብሕጊ ክሓትት ይግባእ" ኢሎም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP
'ምውፋር ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ'
ኣብቲ ዞባ፡ ዘራእትን ጥሪትን ተጋሩ ከም ዝተዘምታን መንበሪ ኣባይቶም ከም ዝተወረሰን ምንጪ መነባብሮኦም ዝነበሩ ከም ዝዓነውን ይሕብር።
ተጋሩ፡ ሰባት ኣብ ዝተቐትሉሎም፣ ዝተሳቐይሎምን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝተፈጸመሎምን ስሩዕን ዘይስሩዕን መዳጎኒ ቦታታት ንዝተናውሐ ማእሰርትን ጃምላዊ ማእሰርትን ግዳያት ምዃኖም'ውን ይጠቅስ።
ክልላዊ ኣመሓደርቲ ተጋሩ መሰረታዊ ኣገልግሎት ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይረኽቡ ዝኽልክሉ ሕግታት ብምውጻእ መሰሎም ክኽልኡን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡን ከም ዝተገብረ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ተጋሩ ብሄሮም ተኮር ዝኸነ መጥቃዕታት ከም ዝበጽሖምን ትግርኛ ክዛረቡ ከም ዝተኸልከሉን ይጠቕሱ።
ነዚ፡ ኣብቲ ዞባ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ወልቃይትን ብምዃን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ንዝተፈጸሙ ቕትለታት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ተግባራት ጾታዊ ጎነጽን ተሓተትቲ ገይሮም።
እዞም ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተኸልከሉ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኾኑ ዝኽእሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙ ንዝገበሩን ንዝፈጸሙን'ዮም ኢሎም እቶም ትካላት ብሽም ዝረቑሑዎም ውልቀሰባት ሓዊሱ መንግስቲ ተሓተቲ ክገብር ኣለዎ ይብሉ።
እዚኦም ኣብዚ ሕጂ እዋን ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብን ሓላፊ ጸጥታን ዘሎ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ፣ ኮማንደር ደጀኔ ማሩ [ኣዛዚ 2ይ ቦጦሎኒ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ጋፋት ብርጌድ፣ ኣብ ሑመራ ማእከሉ ዝገበረ ሓላፊ ስለያ በላይ [ሙሉእ ሽሙ በላይ ኣያለው ተባሂሉ ይእመን] ይርከቡዎም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግን፡ "ምዕራብ ትግራይ ዝብሃል ኣብ መዝገበ ቃላት ምምሕዳርና የለን፤ ከምኡ ዝብሃል እነመሓድሮ ከባቢ የለን። እቲ ተጋሩ 'ብሓይሊ' ካብ ኣምሓራ ክወጽኡ ተገይሩ ዝብል ድማ ናይ ሓሶት ክሲ እዩ" ክብል ነጺጉዎ።
እንተኾነ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ንምባል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክዋፈር ሓቲቶም ኣለው።
እዚ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕን ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባት ንምድሓንን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል፡ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ አቶ ፍሰሃ ተክለ፡ "እዚ ዝተለምደ ወይ ድማ ብቐሊሉ እንህቦ ምክረ-ሓሳብ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዛዕባ ገይሩ ዘትይሉ ኣይፈልጥን። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን። እዚ ከም ፍታሕ ዘቕረብናዮ ምክረ-ሓሳብ፡ ክልቲኦም ነቲ ጉዳይ ከም ሓደ ዓቢ ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ክወስድዎ ስለእንደሊ'ውን እዩ" ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







