ብዛዕባ ፍትሒ መሰጋገሪ እዋን እንፈልጦም ሓሙሽተ ነጥቢታት

ፍትሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ጐንጺ፡ ሓድሽ ሰላማዊ ኵነታት ኣብ ዝእተወሉ፡ ዓብይ መዛረቢ ዛዕባ ዝኸውን ብዘላቕነት ነቲ ጐንጺ ደው ንምባል ከም መፍትሒ ዝውሰድን፡ ኣብ እዋን ግጭት ዝተኻየዱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ብኸመይ ኣገባብ መፍትሒ ይወሃቦም ዝብል እዩ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኻየደ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፕሪቶርያ ተሰማሚዖም እዮም። ኣብ እዋን እቲ ጐንጺዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ብመሰጋገሪ ፍትሒ መዕለቢ ከምዝረኽቡ ተገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተኻየደ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ እናሓተተ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ ኮምሽነር እቲ ትካል ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ፡ ምቛም መሰጋገሪ ፍትሒ ካልእ እቲ ኮምሽን ዘቕረቦ መፍትሒ ሓሳብ ምንባሩ የረድእ።

“ነቶም ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት፡ ዝተማልአ ምርመራን ተሓታትነትን ንምርግጋጽ ክከኣል፡ ምሕደራ ፍትሒ መሰጋገሪ እዋን ንምቛም ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪብና ኔርና።

“ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፡ ውዕል ሰላም ተፈሪሙ ተግባራዊ ምዃን ምጅማሩ ከምኡ እውን ኣብቲ ስምምዕ ሰላም፡ ምሕደራ መሰጋገሪ ክጣየሽ ኣብ ዝስምምዕ ዝተበጽሐ ምዃኑ ጽቡቕን ቅኑዕን ስጕምቲ እዩ” ይብል።

መሰጋገሪ ፍትሒ እንታይ እዩ?

መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ድሕሪ ከቢድ ጐንጺ፡ ጭቆናን ጥሕሰት መሰላትን፡ ተሓታትነት፡ ፍትሕን ዕርቅን ብምስፋን ዘላቒ ሰላም ክፈጥሩ ዝኽእሉ ስራሓት ንምስራሕ ዘጠቓልል መስርሕ ከምዝዀነ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ገለ ሰባት፡ ‘ተሓታትነት ዘረጋግጽ ፍትሒ’ ዝሓሸ ሰላም ዘምጽእ ከምዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ‘መሰጋገሪ ፍትሒ’ ከም ኣማራጺ የቕርቡ።

ኣቶ ያሬድ ሃ/ማርያም በዓል ሞያ ሕግን ዋና ዳይረክተር ማእከል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እዩ። ንሱ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ መስርሕ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።

“ኣብ ሓደ ሃገር፡ ብጐንጺ ይዅን ብኻልእ ኣጋጣሚ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸም እንተነይሩ (ንሓጺር ይዅን ንነዊሕ እዋን)፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናብ ዝህነጸሉ ሰላማዊ ኵነታት ንምስግጋር ዝግበር መስርሕ እዩ።

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸሞም ክፋላት ማሕበረሰብ ይህልዉ እዮም። ጥሕሰት ሕግን መሰልን ዝፈጸሙ እውን ስለዝህልዉ፡ ዝተበደሉ ሰባት ካብዚ ኣጸጋሚ እዋን ዝሓልፉሉ መገዲ እዩ” ክብል ይገልጾ።

ንመሰጋገሪ ፍትሒ ዝዀኑ ጉዳያት ምህላዎም ዝጠቅስ ኣቶ ያሬድ፡ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ “ፍትሕን ተሓታትነትን ምንጋስ እዩ” ይብል።

ዕርቂ ቀጺሉ እዩ ዝመጽእ፤ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ብስርዓት ተሰኒዶም ብዓይነቶም’ውን ክፍለጡ ይግበር።

ብተወሳኺ፡ “ዝተበደሉ ኣካላት ብቐንዱ ነቲ ዝተፈጸሞም በደል ዝካሕሱሉ፡ ካልኣይ፡ በደልቲ ይቕረታ ክሓቱ ዝግበረሉ መስርሕ እዩ” ይብል እቲ ዋና ዳይረክተር።

ዕላማታትን ዓይነታትን መሰጋገሪ ፍትሒ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣርባዕተ ዕላማታት ከምዘለዉዎ ይገልጽ።

“ነቲ ሓቂ ምእላሽን ምፍላጥን እቲ ቀዳማይ እዩ። እቲ ካልኣይ ዝተጐድኡ ሰባት መሊስካ ምጥያስ ኰይኑ፡ ሳልሳይ ምርግጋጽ ተሓታትነት ገበን እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ድማ ተመሳሳሊ ነገር ደጊሙ ከየጋጥም እንታይ ዓይነት ለውጥን ምምሕያሽን የድሊ? ዝብል ምምርማርን ተግባራዊ መግባርን እዩ።

“እዚ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ ወይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ መንቀሊ እቲ ጸገም ምፍላጥን ዘላቒ ፍታሕ ምድላይን” ኣብዚ ዝጠቓለሉ እዮም ይብል።

ክልተ ዓይነተ መሰጋገሪ ፍትሒ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ያሬድ፡ “ገለ ሃገራት እቲ መስርሕ መሰጋገሪ እዋን፡ ኣብ ገበናዊ ክሲ ዘተኵር ክገብራኦ ይኽእላ። ነቶም በደልቲ ብገበን ጥራይ ክሕተቱ ብምገባር፡ ይቕረ ኣበሃሂሎም ዝኸዱሉ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣሎ” ይብል።

እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ገለ ሃገራት ዝፍተን ዘሎ እዩ። እዚ ዝዀነ ዓይነት ክሲ ከይተመስረተ እቲ በደል ክፍለጥ፡ በደልቲ ይቕረታ ክሓቱን ዝተበደሉ ድማ ይቕረታ ተቐቢሎም ክቕጽሉን ዝግበረሉ እዩ።

እቲ ካልኣይ ዝፍጸም ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ባዕላቶም እውን በቲ ወንጀል ተሓተትቲ ዝዀኑሉ ኵነታት እንተሃልዩ እዩ።

እዚ መስርሕ በደልቲ ብገበን ዘይሕተቱሉ፡ ነገራት ተሸፋፊኖም ዝሓልፉሉን ገበነኛታት ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ሽፋን ናይ ምሃብ ዕድል ኣለዎ።

“ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ይቕረታ ገለ ይብሉ እሞ፡ ተሓታትነት ብዘይብሉ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ከምልጡ ይግበር” ይብል ኣቶ ያሬድ።

ዋላ’ኳ ፍትሒ መሰጋገሪ እዋን እንተዘይኰነ፡ ሓደ ኣብነት ግን ይጠቅስ።

“ንኣብነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ፡ ኣብ ፓርላማ ኣብ ዘስመዖ መደረ ‘ግብረ ሽበራውያን ንሕና ኢና፤ ምስቓይ (ቶርቸር) ፈጺምና ኢና፤ ዜጋታት ኣሳቒና ኢና. . . ይቕረታ ግበሩልና ኢሉ ነይሩ። ተሓታቲ ዝዀነ ኣካል (ግን) ኣይነበረን” ክብል ይዝከር።

መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ነዊሕ እዋን ዝወስድ መስርሕ እዩ።

ብፍላይ ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላት ሰፊሕ እንተዀይኑ፡ ብዙሓት ማሕበረሰባት እንተተጐዲኦምን ብዙሕ ታሪኻዊ መሰረት እንተሃልዩዎን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ እውን ምጽራይ ዝግበረሉ እዩ።

ካበይ ንጀምር? ጉዳያት በዓል መን ይርአ? ኣበየናይ ጉዳይ ዝተፈጸሙ ነገራት ይረኣዩ? ዝብል ኣመና ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

“ምናልባት እውን ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ። ኮምሽን እውን ከድልዮ ይኽእል። ዘጻርዩ ኣካላት ክዋቐሩ ይግባእ። ኣብ መስርሕ ምስምማዕ ይድሊ። ገለ እዋን ካብ ምንውሑ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ዘለወን ሃገራት ጥራይ እየን ዝውድኣኦ” ይብል ኣቶ ያሬድ።

ገሊኡ መሰጋገሪ ፍትሒ ድማ ኣብ መንጐ ብኻልኦት ጸገማት ክጥለፍን እናሃሰሰ ክኸይድን ይኽእል።

ነዊሕ እዋን ምውሳዱ’ውን ከም ሓደ ድኹም ጐድኒ መሰጋገሪ ፍትሒ ተገይሩ ይውሰድ እዩ። ካብ ምጒታቱ ብተወሳኺ ፍትሒ ዝጠልቡ ተበደልቲ ተስፋ ከቝርጾም እውን ይኽእል።

ርዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቺለ . . .

ርዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዩጐዝላቭያን ቺለን ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ሃገራት መሰጋገሪ ፍትሒ ተግባራዊ ብምግባረን ይጥቀሳ እየን።

ዓሌታዊ ጭፍጨፋ ርዋንዳ፡ ብመሰጋገሪ ፍትሒ እዩ ተዛዚሙ። ግዳያት፡ ዝወረዶም በደል ክፍለጥ ተገይሩ፤ በደለኛታት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። እቲ ጉዳይ መምሃሪ ንክኸውን እውን ኣብ ሙዝየም ተቐሚጡ።

ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ዋላ’ኳ ብዙሓት ሕቶታትን ቅሬታታትን ዘልዕል እንተዀነ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ’ውን ብእለሻ ሓቅን ዕርቅን (ትሩዝ ኤንድ ሪኮንሲለሽን) ኮምሽን እዩ መዕለቢ ረኺቡ።

ንበደላት፡ “ይቕረታ ሓቲትና ኢና ኢሎም ከም መህደሚ ዝተጠቕማሉ ሃገራት’ውን ኣለዋ” ይብል ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም።

ቺለን ገለ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካን ነዚ መገዲ ዝመረጻ እየን።

ጉዳይ ተሓታትነት?

ጉዳይ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ዝለዓለሉ፡ ምስኡ ጉዳይ ተሓታትነት እዩ ዝቐርብ።

ብዙሕ ግኤ፡ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ብሰንኪ ተሓታትነት ዘይዕወተሉ ወይ ዝብርዕነሉ ዕድል ኣሎዎም።

“ጉዳይ ተሓታትነት (ኣካውንታብሊቲ) ብፖለቲካዊ ተወፋይነት ፖለቲከኛታት ዝውሰን እዩ” ዝብል ኣቶ ያሬድ፡ ገለ እዋን ገበነኛታት ከይሕተቱ፡ ‘ፖለቲካዊ ሽፋንን ጥብቅናን’ ክወሃብ ይኽእል ዝብል መርገጺ ኣሎዎ።

እንተዀነ ከም ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸሙ ገበናትን ምስቓያትን (ቶርቸር) ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ “ኣባና ይዅን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ብይርጋ እውን እንተዀነ ካብ ተሓታትነት ናጻ ዘውጽኡ ዓይነት በደላት ኣይኰኑን” ይብል።

ነዚ ዅሉ ግን ካብ መራሕቲ፡ ፖለቲካዊ ውፉይነት ትጽቢት ከምዝግበር ሰብሞያ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጹ።

“ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተሓታትነት ብፍላይ ኣብ ዙርያ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣፈይ መሊአ ትሕቲ ዜሮ እዩ ክብል እኽእል’የ” ዝብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ያሬድ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሞም ዝበሃሉ ሰብ መዚ ተሓቲቶም ክበሃሉ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን ይብል።

“ብዙሕ እዋን ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዙ ጉዳያት እዮም ዝሕተቱ። ስለዚ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝዓበየ ፈተናን ዕንቅፋትን ዝኸውን፡ በደለኛታት ተሓተትቲ ናይ ምግባር መስርሕ እዩ። “

ከም ኣብነት ኲናት ትግራይ እዩ ዝጠቅስ። ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ጥሕሰታት ተፈጺሞም እዮም። ኣብዚ ጉዳይ፡ “ብወገን ክልል ትግራይ ይዅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰብ መዚ ብሓደ ይዅን ብኻልእ መገዲ ተሓተትቲ ዝዀንሉ ኵነታት ኣሎ። ነቶም ጀነራላት ሓዊሱ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ተሓተትቲ ዝገብር መንግስታዊ ምምሕዳር ክህሉ ይግባእ” ይብል።

ተስፋን ስግኣትን መሰጋገሪ ፍትሒ

መሰጋገሪ ፍትሒ ተኣማኒ፡ ተቐባልነት ዘለዎ፡ ናጻን ዘይሻራውን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቶ ያሬድን ዶ/ር ዳኒኤልን ብትሪ ይገልጹ።

ነዚ ድማ፡ “ርእሱ ዝኸኣለ ትካል ምምስራት ወይ ድማ ኣብ ገለ ሃገራት ከምዝተራእየ ልምዲ ካብ ዘለዎምን ኣብ ስራሕ ካብ ዝርከቡን ትካላት ዝተዋጽአ ኣካል ብላዕለዋይነት ዝመርሖ መፈጸሚ ኣካል ምጥያስ” ካብ ዝውሰዱ መስርሓት ከምዝዀኑ ዝጠቅስ ዶ/ር ዳኒኤል፡ “ካብዞም ኣማራጺታት ንህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ ኣየናይ ኣሰራርሓ፡ ኣወዳድባን ኣቃውማን ይሓይሽ ዝብል ምምኽኻርን ምውሳንን የድሊ” ይብል።

ካብ ተመኵሮ ዝተፈላለየ ሃገራት ብምብጋስ፡ ብመንጽር ቅርሕንትን ፍልልያት ምፍታሕን፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣወንታዊ ተራ ከምዘለዎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እዞም መስርሓት ውሱን ዓውዲ ዘለዎም፡ ብዜጋታት ዝምርሑን ድልየት ግዳያት መሰረት ብዝገበረን ክስርሑ ከምዘለዎም እውን የረድእ።

ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብመሰጋገሪ ፍትሒ መፍትሒ ንምሃብን ናይ ቅርሕቲ ምዕራፍ ንምዕጻውን ኮምሽን መሰጋገሪ ፍትሒ ንምቛም ምኽረ ሓሳብ ምቕራቡ መረዳእታታት የምልክቱ።

ኣቶ ያሬድ ብወገኑ፡ ንኢትዮጵያ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ “ጠቓምነቱ ኣብ ሕቶ ኣይኣቱን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመላ፡ ሚልዮናት ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዀኑላ፡ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ዝዓንወላ፡ ንድሕሪት ተመሊስና ዓሰርተታት ዓመታት ምስእንርኢ ብዙሕ ነገር ዘለዋ ሃገር እያ. . .

“ስለዚ ከም ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ቁስሊ ንምሕካም፡ ኣብዚ እዋን ዘለዉ ሓደሽቲ ኣቝሳል ደው ንምባልን ናብ ዝተረጋገአ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል እቲ እንኮ መገዲ መሰጋገሪ ፍትሒ እዩ” ይብል።

እንተዀነ በቲ ውጽኢት ርግጸኛ ከምዘይኰነ እዩ ኣቶ ያሬድ ዝገልጽ።

“ብፍርቂ ልቢ እየ ዝርእዮ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን፡ ብወገን መንግስቲ ብዛዕባ ሃገራዊ ዕርቅን ስግግርን እናተዘርበ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ፡ መሰል ዜጋታት ክጥሕሱን ጐንጽታት በቢከባቢኡ ክበራኸቱ ስለዝርአ ጽልዋ ከየሕድረሉ ይሰግእ እየ።”

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ጸገማት ንምፍታሕ ዝቘመ ሃገራዊ ኮምሽን ዕርቂ ዝዀነ ዝጭበጥ ስራሕ ከይሰርሐ ኣብ ቀረባ እዋን ምፍራሱ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተስፋሕፊሑ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ዝተሳተፉ ኵሎም ኣካላት፡ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡዎም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸሙ በደላት መፍትሒ ንምርካብ መሰጋገሪ ፍትሒ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊጹ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ግህሰት ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ዝግበር ዘሎ ኰይኑ፡ እዚ ጸቕጢ ነቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ከተዓናቕፍ ስለዝኽእል፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ መርማሪ ኮምሽንን ካልኦት ጻዕርታትን ደው ክብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።