ኲናት ትግራይ፡ 'ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ'

ምንጪ ስእሊ, AC
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዕንወት የወርድ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ትካል ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዝሃቦ መብርሂ "ብሰኪ መጥቃዕቲታት ኣየርን ደብዳባት ከቢድ ብረትን ሲቪላውያን ከምዝሞቱን ሲቪላዊ ንብረት ከምዝዓነወን ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት በጺሑና ኣሎ" ኢሉ።
ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራን ብዘካየድዎም ደብዳባት ሓያለ ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲን ሰብመዚን ትግራይ ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።
"ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ወይ ድማ ብፍላጥ ንሲቪላውያን ወይ ሲቪላዊ ንብረት ዒላማ ምግባር ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ' ክትብል ኣፈኛ ናይቲ ትካል ተዛሪባ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ዝርከቦም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህልቂት ከየስዕብ ዘለዎም ስግኣት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሞት ሲቪላውያን ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ብምንቃፍ ሰራዊቱ ኣብቲ ውግእ "ልዑል ጥንቃቐ" ይገብር ኣሎ ኢሉ።
ብሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ምቁጽጻሩ ይዝከር።
ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጸጸረ መንግስቲ ብሰሉስ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ከተማ ኮረም ኣብ ኢዶም ከምዘላ ብምሕባር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ጽዕጹዕ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም ኣለዉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፤ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ፡”
“ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ" ኢሉ ነይሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝጀመሮ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ካብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ክስሕብ ጸዊዑ።
ኤርትራ፡ ነቲ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ'ቲ ግጭት ዝሃቦ መግለጺ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ትካላት ረዲኤት ናብ ክልል ትግራይ ዘካይድዎ ዝነበሩ ምብጻሕ ሕጹጽ ሓገዝ ደው ከብሉ ምግዳዶም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ቅልውላው ዓመታት ትግራይ ንዝበዝሕ እዋን ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከባባን'ያ ትርከብ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ደው ብምባል፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብቶም ልዕሊ 5 ሚልዮን ተጸበይቲ ክበጽሕ ከፍቅዱ ክጽውዑ ምሕጽንታ ከቕርብ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎም ቅሩብነት እንተገለጹ፡ ውግእ ምቕጻሎም ነቲ ኩነታት ሓላሊኽዎ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







