ሽረ ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ድሕሪ ምእታዋ ከመይ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, AMDOM GEBREYESUS
ሰኑይ 17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝኣተወት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እንትርፎ ናይ ውሕዳት ሰባት ምንቅስቓስ እዙይ ዝበሃል ንጥፈት ከምዘየለ ምንጪ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።
ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጥቛት ፋኖን ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ቢቢሲ፡ ዋላ’ኳ ድምፂ ተኹሲ እንተዘይተሰምዐ፡ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ከምዘሎን ድኳናትን ንግዳዊ ንጥፈታትን ብምልኡ ተዓጽዩ ምህላውን ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ኣማስዮም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ" ክብሉ ሓቢሮም ኔሮም።
ሰራዊት ትግራይ'ውን ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ “ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ” ይብል እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝተዝርግሐ መግለጺ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብቲ ብሰኑይ ዘውጽኦ መግለጺ “ምእንቲ ልኡላውነት እታ ሃገር ክበሃል” ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ ክቆጻጸር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ዩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ብተኸታታሊ ክካየድ ዝቐነየ ደብዳባት ድሮን፣ ነፈርቲ ውግእን ከበድቲ ብረትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብታ ከተማ ወጺኡ ናብ ገጠራት ይሃድም ከምዝነበረን፡ ብሰኑይ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ከምእትኣቱ ምስተፈለጠ ግን ዝበዝሕ ነባራይ እታ ከተማ ምውጽኡ ምንጭታት ገሊጾም።
ኣኼባ ምስ ነበርቲ
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ “ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለትን ዓመጽን ይፍጽሙ ኣለዉ” ዝብል ሓበሬታ ክበጽሖ ስለዝቐነየ መንበሪኡ ሓዲጉ ይሃድም ከምዘሎ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ዘዘራረቦ ነባሪ ሽረ እንዳስላሰ ሓቢሩ'ሎ።
እቶም ሓይልታት ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ሰለስተ መናእሰይ ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ ዝሃበና ውልቀሰብ ይገልፅ።
ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ድምጺ ጥይት ከምዘይተሰምዐን እቲ ኵናት ምናልባት ብኣንፈት ምብራቕ ናይታ ከተማ ይቕጽል ከምዘሎን ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ሽረ እንዳስላሰ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወልዐ ኵናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኣተወት ኮይና ትማሊ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖን ከምኡ’ውን ወተሃደራት ኤርትራ ናብታ ከተማ ምእታዎም ኣብ ነበርቲ ሻቕሎትን ራዕድን ከምዝፈጠረ እቲ ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ምንጪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ገለ ነበርቲ ዝተሳተፉሉ ኣኼባ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኸመይ ክቕፅል ምግባር ከምዝከኣልን ኩነታት ፀጥታ ብኸመይ ምውሓስ ከምዝከኣልን ከምዝተዘተየ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወደበ መድረኽ ዘተ፡ ኣብ ገባር ሆቴል ከምዝተኻየደ ይግለፅ።
ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሰፊሕ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ክገልጹ ምፅንሖም ይፍለጥ።
ኣገዳስነት ሽረ?

ሽረ እንዳስላሰ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኮይና ናብ መቐለ፣ ጎንደር፣ ሑመራን ኤርትራን ኣብ ዝወስዱ ኣርባዕተ ቀራና መገዲ ትርከብ።
ብፍላይ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ምስቲ ካልእ ክፋል እታ ክልል ኣብ ዘራኽብ ቦታ ዘላ ዝዓበየት ከተማ ከም ምዃና መጠን፡ ወተሃደራዊ ኣገዳስነታ ዕዙዝ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብታ ከተማ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘበርኽ'ዩ።
እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ናብ ሽረ ዝኣተዉ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ነታ ከተማ ከም መተኣኻኸቢቶም መዋፈሪቶምን ብምጥቃም ናብ ቅድሚት ክግስግሱ ከምዝፍትኑ ድማ ይግመት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኣቢሉ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ነቲ ካብ ሽረ ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝወስድ መገዲ ተጠቒሙ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ፃዕሪታት ከምዝገብር ሓቢሩ’ሎ።
እንተኾነ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይበፅሕ ከምዝዓገተ ካብ መራሕቲ ትግራይን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ክስታት ክቐርበሉ ምፅንሑ ይፍለጥ።
ሰብኣዊ ቅልውላው ሽረ
ከተማ ሽረ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ ጊዜ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሽሕ ነበርቲ ይቕመጡላ ዝነበሩ ኮይኖም ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ግን ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተመዛበልቲ ከምዘዕቖቡላ ይግለፅ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኵናት ድማ፡ ካብ ኣድያቦ ዝተመዛበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ናብታ ከተማ ምእታዎም ይዝከር።
ኣብ ከባብታት ታሕታይ ኣድያቦን ላዕላይ ኣድያቦን ክካየድ ብሰንኪ ዝቐነየ ኲናት ልዕሊ 470 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ይገልፁ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክኾኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ስልኪ፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቁራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







