ሓይልታት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ሓቲቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፤ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ፡” ኢሉ።
“ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ፡ “ ክብል እውን ወሲኹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝጀመሮ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ካብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ክስሕብ ጸዊዑ።
"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ንሰላማውያን ሰባት ንዝለዓለ ሓደጋ የቃልዖም ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ።
እቲ ሕብረት ወሲኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ዝኾነ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክቑጠቡ ተላብዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ሃገራትን'ውን ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ነቲ ተጋዲዱ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ከብሉ ሓቲቶም ኣለዉ።
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከተማታት ብኣልማማ ይድብድቡ ከምዘለዉን ሰባት ንሞትን መጕዳእትን ከምዝተቓልዑን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ፡ እቶም ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ እውን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ጸዊዑ ኣሎ።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ነሓሰ ምፍራሱ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ከተማ መቐለን፡ ካልኦት ብዙሓት ከተማታትን ቀረብ ምግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎ ነበርቲ ቅድሚ መዓልቲታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይቕጽል ከምዘሎ ዝግለጽ ዘሎ ኰይኑ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ንርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝዀነት ሽረ እንዳስላሰ ከምዝተቘጻጸርዋ፡ ሓይልታት ትግራይ ገሊጾም ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎ ከተማታት እንተተደፊኦም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲታት ከይፍጸም ስግኣት ከምዘለዎም ገለ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ ኣለዉ።
ትማሊ ኣብ ትግራይ ዘለዋ መዕርፎ ነፈርቲን ካልኦት ትካላትን ፌደራል ናይ ምቍጽጻር ድልየት ከምዘለዎ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ድሕነት ሰላማውያን ከምዘውሕስ ገሊጹ።
ኣብታ ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከምዘሎን ማእከላት ጥዕና ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብን መሳርሕን ኣገልግሎት ናብ ዘይህባሉ ብርኪ ምብጽሐንን ጸብጻባት የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







