ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣትያ

ታንኪ ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ሓይልታት ትግራይ ኣረጋጊጾም።

ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ" ክብሉ ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ትግራይ'ውን ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ኣሎ ድሕሪ ምባል ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ ይብል እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝወጸ መግለጺ።

እቶም ኣብቲ ክልል ናይ ክተት መጸዋዕታ ዝኣወጁ መራሕቲ ትግራይ፡ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝግበር ደብዳባት ሲቪላውያን ሰባት ይቐትል ከምዘሎ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከተማታት ትግራይ ውግእ ንምውጋድ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ። ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ዘለዎ ቅሩብነት'ውን ገሊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያለ ወገናት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ክጽውዑ ጸዊዖም ኣለዉ።

እቲ ኩነታት "ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ" ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ብወገኑ፡ "ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኲናት ብህጹጽ ክወጹን ካብ ኢትዮጵያ ክስሕቡን ዘጠቓልል ተጻብኦታት ሕጂ ደው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብ ትግራይ ክኣቱን'ውን እቲ ብማእከላይ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ጸዊዑ'ሎ።

"ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናዝበፅሐ ዘሎ ኩለመዳያዊ በደልን ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕግታትን ብዝግባእ ተረዲኡ ህፁፅ ፍታሕ ክህብን ግቡኡ ክዋፃእን ይግባእ።

"ስለዝኾነ ድማ ተፃብኦታት ብህፁፅ ጠጠው ክብሉን ሰብኣዊ ሓገዝ በዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ብህፁፅ ንክዋፃእ ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ይፅውዕ።''

እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም ከምዝተዓናቐፈ ይዝከር።