ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ህጹጽ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅስን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, AFRICAN UNION WEBSITE
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ፤ ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ "ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታት፡" ክትግበርን ጸዊዑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣሰካፊ ብዝዀነ መልክዑ ጸንኪሩ ይቕጽል ምህላው ክግለጽ እንከሎ፡ ኣቓልቦ ዝተፈላለዩ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ስሒቡ፡ ብቕጽበት ደው ንኽብል መጸዋዕታታት ክቐርበሉ ይስማዕ ኣሎ።
ነዚ ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ትማሊ 16 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጻውዒት ከም ዝቕበል ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ብ11 መስከረም 2022 ብመራሕቲ 'ቲ ክልል ዝወጽአ፡ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ዝቐረበ ጻውዒት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ኣካላትን ደገፍን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ብምጥቃስ፡ ንግብራውነቱ ግን ዛጊት ዝተግበረ ነገር ከም ዘየለ የመልክት።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ሽረ እንዳስላሰ ንኣንፈት ሰሜን ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ነብሪኢድን ይካየድ ከምዘሎን፣ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ድማ ጽዑቕን ተኸታታሊን ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ከምኡ’ውን ከቢድቲ ብረት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረዝ፡ ሓላፊት ኣህጉራዊ ትካል ረዲኤት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዩኤስኤይድ -ሳማንታ ፓወር፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ሽረን ከባቢኡን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኲናት ደብዳብ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ሳማንታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብቲ ተመዛበልቲ ዝተዓቝቡሉ መዓስከራት እንተኣትዮም ክስዕብ ዝኽእል ግህሰትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣሻቓሊ ምዃኑ፡ ገሊጻ እያ።
ጆሴፍ ቦረል’ውን፡ ኣብ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ምውጽኦም ኣሰንባዲ ከምዝዀነ ብምግላጽ ምኽባር ዓለምለኻዊ ሕግታት ግዴታ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብቲ ዝወጽአ ሓድሽ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብቲ ኣቐዲሞም ዝተሰማምዑሉ ብሕብረት ኣፍሪቃዊ ዝምራሕን ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝረኸበን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተመደበ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ንኽምለሱ ጸዊዑ’ሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 1 ጥቅምቲ 2022 ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ትግራይን፡ ቀጥታዊ ዘተ ከካይዱ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ምስ ዝብል ጽኑሕ መርገጺኡ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከም ዝተቐበሎ ክገልጽ እንከሎ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ናብ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር፡ ህጹጽ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር፡ ግጭታት ንምቍራጽ ከም ዝሰማምዑ ብምሕባር፡ ኣብቲ ዝካየድ ልዝብ ክሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋጊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ጻውዒታት፡ ዘተ ንምክያድ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምጅማር ኣገልግሎታት፡ ምውጻእ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ክልል ክትግበር ይሓቱ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።
እንተዀነ ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተሓስበ ልዝብ ነዚ ቅድመ ኵነት ኣየቕረብዎን።
ይዅን እምበር፡ እቲ ሕብረት ብዛዕባ እቲ ዝተሓስበ ዘተ ኣቐዲሙ ከም ዘየማኸሮም ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝህልዉ ካልኦት ተዋሳእቲ፡ ተዓዘብቲ ወይ ኣውሓስቲ ኣካላትን፡ ንተራ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሓስበን ብዝምልከት፣ ከምኡ'ውን ንጕዕዞን ጸጥታን ተዛታዪ ጕጅለ ዝምልከቱ ነጥብታት መብርሂ ንኽወሃቦም፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኡ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕወሓትን ዝተሓስበ ቀጥታዊ ልዝብ ሰላም፡ ብሽምግልና ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምባፐ-ናግኩካን ንዝሓለፈ 9 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ምንባሩ ይዝከር።
ሓደ ካብ መንጐኛታት ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ዘተ ዝምልከት ንጹርን ዝርዝርን ሓበሬታ ኣቐዲሙ ክቐርብ ይግባእ ምንባሩ ብምምልካት፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝሓዞ መደብ ስለዝተደረበ ኣብቲ ልዝብ ከምዘይሳተፍ ንኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብደብዳበ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ልዝብ ንኽጅምር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ፡ ዓርቢ 7 ጥቅምቲ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ መግለጺ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ክጅምርን ዝጽውዕ እዩ።
እዚ ኸኣ፡ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክብሎ ዝጸንሐ ብዘይዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ዘተ ኽካየድ ዝሓትት መርገጺ ብገለ ሸነኹ ዝጻረርን፡ ብኣንጻሩ ናብቲ መሪሕነት ትግራይ ክሓትዎ ዝጸንሑ ዝቐርብን ይመስል።
"ብዝግበር ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክንቅየድ ድልዋት ኢና፡" ዝበለ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽኡን፡ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምትግባር ግብራዊ ስጕምትታት ክውሰድን፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ መኣቲ ዘተ ንኽመጽእ ጸቕጢ ንኽግበር ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ነዚ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ዝቐረበ ሓድሽ መጸዋዕታ ኣመልኪቱ መንግስቲ እትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።
እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ኰይኑዎ ዘሎ ኲናት ዛጊት ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘይተረኽቦ፣ ብኣንጻሩ ዝያዳ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ምህላውን ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







