'ምስ ህወሓት ዘተ ክቕፅል እዩ'-ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ

ምንጪ ስእሊ, HOPR/FB

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ እቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዘተ ክቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ንሳ፡ ሎሚ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2022፡ ዘመነ ስራሕ 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ባይቶታት ተወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ብወግዒ ምኽፋቱ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን’ያ ነቲ መግለጺ ሂባ።

እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ ነይሩ።

ነቲ መስርሕ ዘተ ዝምልከት ንጹር ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃቦ'ውን ኬንያታ ጠሊቡ'ሎ።

እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ የለን።

ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ተኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ውግእ ዳግም ብምውልዑ እቲ ኵናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014 (ኣ.ግ) ዓበይቲ ኣሉታውን ኣወንታውን ፍፃመታት ከምዘአንገደት ዘዘኻኸረት እታ ፕረዚደንት “ዓወታት ከምዝነበሩና ዓበይቲ ብድሆታት እውን ኣሕሊፍና ኢና። ንህዝብና ናብ ሓዘንን ጭንቅን ክኣትው ዝገበሩ ፀገማት ነይሮም’ዮም” ኢላ።

ብፍላይ ጎንፅታትን ምፍንቓል ዜጋታትን ካብ ሞንጎ እቶም፡ እታ ሃገር ዘይተሳገረቶም ብድሆታት ከምዝኾኑ ንኣባላት ክልቲኦም ባይቶታት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ሓቢራ።

“ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ከባብታትን ዝተፈጸሙ ጃምላዊ ጨፍጫፋት ብኣሉታ ዝዝከሩ እዮም። እዚኦም ድማ ንልቢ መብዛሕትና ዝሰበሩ እዮም” ኢላ።

ሰላምን ልዝብን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ “ዋጋ ሰላም ዝተገንዘበ መንግስቲ ጎንፅታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንኸብቅዑ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ብዘይቅድመ ኩነት ንምድርዳርን ኣፈላላያት ብሰላምን ብዝርርብን ንምፍታሕን ሓሳብ ከምዘቕረበ ዝዝከር’ዩ”።

“ህወሓት ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክብል ነቲ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ልዝብ ንኽመፅእ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ቀሪቡሉ እዩ” ክትብል ገሊጻ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ድልው ከምዝኾነ ዝገልፀሎም ኣጋጣምታት ዓቕምታቱ ንምውዳብን ምድላዋት ንምግባርን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ “ድልየት ሰላም የብሉን” ብምባል ብተደጋጋሚ ክኸስዎ ይስምዑ።

እታ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ሎመዓልቲ መኽፈቲ መደረኣ፡ መንግስቲ ንማዕፆታት ሰላም ፈጺሙ ዕፅው ከምዘይገብር ከምዘነፀረ ብምሕባር፡ “ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላያት ብሰላም ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንምዝርራብ ሕዚ’ውን ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ” ክትብል ኣፍሊጣ'ላ።

“እዚ ዓመት እቲ ንሃገርና ዝፈተና ኲናት ዘብቅዐሉ ክኸውን ምግባር ናይ ኩላህና ፃዕሪ ዝሓትት እዩ። ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ክግበር ዝፀንሐ ፃዕሪ ሰላም ፅቡቕ እዩ፣ ሕዚ’ውን እቲ ሕብረት ብፍሉይ ልኡኽ [ኦባሳንጆ] ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪታት ብምቕፃል ንሰላም ዘለዎ እጃም ከምዝፍፅም እምነት ኣለኒ” ክትብል'ውን ፃውዒት ኣቕሪባ።

“ንሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ምስ ህወሓት ዝግበር ልዝብ ክቕፅል እዩ። ግን ድማ ነዚ ረጊፅካ ዝፍፀም ስጉምቲ እንተሃልዩ ኣድላዩ መዕገሲ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ክስመረሉ ይግባእ” ብምባል'ውን ኣጠንቂቓ።

እታ ሃገር ዓለማዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘሕደሮ ፅልዋን ብኲናትን እንተተፀለወት’ኳ ብሓፈሻ ኣብ መዳይ ቁጠባን ፖለቲካን ለውጥታት ተመዝግብ ምህላዋ'ያ እታ ፕረዚደንት ትዛረብ።

ዘይተኻየደ ዘተ ሕብረት ኣፍሪቃ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምርኻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ንብዙሓት ሃንደበታዊ ነይሩ።

እቲ ሕብረት ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ኣብ ቀጻሊ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት ትኹረት ከም ዝግበረሉ የመልክት።

እዚ ድማ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ከም ዝምራሕን፡ ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ከም ዝሳተፉን ይሕብር።

መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስዚ ዝቃዶ መርገጺ ከም ዘይነበሮም ብምግላጽ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እቲ ዘተ ንክጅመር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ግን፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኣብቲ ዘተ ንክሳተፍ፡ ኣወዳድባን ኣፈጻጽማን እቲ ድርድር፣ መምርሒ እቶም ዕድመ ዝተገብረሎም ኣሸማገልቲ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ።

እቲ ከይተኻየደ ዝተረፈ ዝርርብ ቀፃሊ መዓዝ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣይተነጸረን።