ሓይልታት ትግራይ፡ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ኲናት ክዘምቱ ጸዊዑ

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ኲናት ክኸቱ ጸዊዖም።

ትማሊ ምሸት ብቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝተመሓላለፈ መግለጺ፡ “ህልውናና ንምርግጋጽ” ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ “ኣብዚ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበጽሐ” ኲናት ክሳተፍ ጸዊዑ።

“ሃብትና ብምውዳድ ኣብቲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበጽሐ ኲናት ብምስታፍ ህልውናና ንምርግጋጽ መንግስቲ ትግራይ ይጽውዕ” ይብል እቲ መግለጺ።

መንግስቲ ፌደራልን ደገፍቱ መራሕቲ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ መንበርታት ዒላምኡ ዘይፈለየ ደብዳብ መዳፍዕ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ትግራይ ከሲሶም።

እቶም መጥቃዕቲታት ራማን ዓዲግራትን ዝርከብዎም ናብ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረቡ ከባቢታት ዘነፃፀሩ ምዃኖም እውን እቶም ክልላዊ መራሕቲ ገሊጾም።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ዛጊት ኣብዚ ክሲ ርእይቶ ኣይሃቡን።

እዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ዓመት ዝዀኑ ዕቑር ሰራዊት ብህጹጽ ክኸቱ ጸዊዑ ነይሩ።

እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ብዝካየዱ ዘለው ውግኣት ከም ዝቐጸለ ይግለጽ።

እዞም ጻውዒት ዝተገብረሎም ኣባላት ሰራዊት፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዋሰነሉን ስግኣት ኲናት ኣለዎም ናብ ዝተባህሉን ከባቢታት ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከም ዘዋፈሩ ይገልጽ።

ንሱ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መጠነ ሰፊሕ ጸረ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ልዑል ወተሃደራት ዝሓዘ ሜካናይዝድ ሰራዊት ኣብ ጥቓ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዛላምበሳ፣ ጾረናን ራማን ኣውፊሮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ከም ዝተናውሐ ይዝከር።

ኲናት ትግራይ ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅመር ንድሓር ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ልዑል ሰብኣዊ ክሳራታት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ መፋርሕ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ከም ዝተወልዐ ይዝከር። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብዚ ኲናት ይሳተፍ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣትን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ይካየድ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ ዝገልጽ እቲ ውድብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ሚልዮናት ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንክ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።