ዝተሰናኸለ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ

መናብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ከብቅዕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት እኳ ክግበር እንተጸንሐ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 'ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ' ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሓይልታት ትግራይ'ውን በዚ ተሰማሚዖም ተኹሲ ጠጠው ምስ ኣበሉ፡ ንሰላማዊ ዝርርብ ዝኸውን መገዲ ክኽፈት'ዩ ዝብል ትጽቢት ብዙሓት እዩ ነይሩ።

ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን እቲ ልዝብ ንክጅመርን እቲ ኲናት ንከብቅዕን ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም።

ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ ምስ ሰብ መዚ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለ ክዘራረቡ እኳ እንተጸንሑ፡ ፍረ ኣየፍረዩን።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘጋጥሙ ጐንጺታት ደው ንምባል ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት በዓል ሞያ ሕጊ ኰይኑ ዝሰርሐ ባይሳ ዋቅወያ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንከየብቅዕ ዝገብሩ ዝተሓላለኹ ኩነታት ከም ዘለው ይዛረብ።

ይኹን'ምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ኲናት ብፍላይ ድማ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሞንጐ ተራጸምቲ ወገናት ብዝግበር ዘተ ከም ዘብቅዕ ብምግላጽ፡ "በዳህቲ ነገራት እንተሃለው'ውን እቲ መፍትሒ ድርድር'ዩ" ይብል።

ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንከብቅዕ ድልየት ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጹ፡ ነቲ ልዝብ መን ይምርሓዮ ኣብ ዝብል ግን ፍልልይ ኔሩዎም።

መንግስቲ ፌደራል፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ እንኮ ምርጫኡ ክገብር እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ዘተ ብመንጎኛነት ኡሁሩ ኬንያታ ክግበር እዮም ዝመርጹ ኔሮም።

እዚ፡ ነቲ መስርሕ ልዝብ ክደናጐ ክገብሮ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም መራሕቲ ትግራይ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ድርድር ከም ዝቕበሉ ኣፍሊጦም።

ቅድም ኢሉ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘይተገለጹ ዝርርባት ይካየዱ ምንባሮም እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕብኡ ዝበሎ ነገር የለን።

ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣኔት ቬበር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ንኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ዝልኣዀ ደብዳበ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣሜሪካ ኣብ ዘመቻችአቶም መድረኻት ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ከም ዝተራኸቡ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ እዚ'ውን እቲ ኲናት ንከብቅዕ ዝሕግዝ ለውጢ ኣየምጽአን።

ኲናት፡ ብድርድር እዩ ዝፍታሕ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ ክልቲኦም ወገናት ድርድር ንምጅማር ድልየት ምርኣዮም፡ ካብ ጸቕጢ ዝመጽአ እንተዀነ'ውን ኣሚኖም ዝኣተውሉ'ዩ ዝብል እወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ትኹረት ምዕራባውያን ኣብ ኲናት ዩክረይን ብምህላው፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንነገራት ከም ዝለወጦም ይጠቅስ።

እዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምዕባለታት ተደሚሩዎ እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ገጾም ናብ ልዝብ ከዙሩ ገይሩ'ዩ ይብል።

"ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ዝነበረ ናብ ሓደ ሸነኽ ዝዛዘወ ድጋፍ ምዕራባውያን ስለ ዝማህመነ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ፣ ኣብታ ሃገር እናብኣሰ ዝመጽአ ቁጠባዊ ቅልውላውን ምኽባር ናብራን፡ ክልቲኦም ናብ ድርድር ክመጽኡ ገይሩ'ዩ"።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ቁጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ፡ ካብ ትግራይ ብዝሰገረ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣማኢት ኣሽሓት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም።

"እዚ ደማዊ ኲናት፡ ዋላ ሓደ ዝዕወተሉ ስለ ዘይኰነ፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ጸገም ብዘተ ክፈትሑዎ'ዮም" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ኣቶ ባይሳ ገሊጹ።

ጻውዒት ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሕብረት፡ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምርኻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ንብዙሓት ሃንደበታዊ ነይሩ።

እቲ ሕብረት ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ኣብ ቀጻሊ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት ትኹረት ከም ዝግበረሉ የመልክት።

እዚ ድማ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ከም ዝምራሕን፡ ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ከም ዝሳተፉን ይሕብር።

መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስዚ ዝቃዶ መርገጺ ከም ዝነበሮም ብምግላጽ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም።

ብፍላይ፡ ሓይልታት ትግራይ እቲ ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቡ ምስቲ ሕብረት ዝርርብ ከም ዘይተገብረ ብምግላጽ፡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፣ ተዓዘብትን ዋሕስ ዝህቡን፣ ጉዳያት ድሕነትን ጉዕዞን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ሓቲቶም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ንሰላማዊ ዝርርብ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝነኣደ ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት፡ ንሰላም ዕድል ክህቡ ጸዊዑ።

ወሲኹ፡ እቲ ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምበፐ-ናግኩካን ክምራሕ እዩ ኢሉ።

እቲ ዘተ ንክጅመር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ግን፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኣብቲ ዘተ ንክሳተፍ፡ ኣወዳድባን ኣፈጻጽማን እቲ ድርድር፣ መምርሒ እቶም ዕድመ ዝተገብረሎም ኣሸማገልቲ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ።

ብተወሳኺ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምግባር፡ ቅድሚ ኣጀንዳታት እቲ ዝርርብ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ እዚ ነቲ ዝርርብ ትኽክለኛ ኩነታት ዝፈጥር'ዩ ኢሉ።

ዲፕሎማት ባይሳ፡ ኣብ ቀጻሊ ንድርድር ዘድሊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክሰማምዑን እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ምድላውን ምስምማዕን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ እዩ ኢሉ ይኣምን።

እንተዀነ፡ ኲናት ደው ንክብል ዝግበር ድርድር ቀሊል ኣይኰነን ዝብል ባይሳ፡ "ከምዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዎ ጐንጺ ሪኤ ኣይፈልጥን" ይብል።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣጋጢሞም ዝተባህሉ ሎጅስቲካዊ ጸገማት ኰነ ኡሁሩ ኬንያታ ዘቕረቦም ሕቶታት ዝሃቦ መብርሂ የለን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀጻሊ እቲ ዝርርብ መዓዝ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣየነጸረን።