ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይኽል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ንምርኻብ'ዩ ጻዕርታት ዘካይድ ዘሎ።
ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሎም እማመ ዘተ ሰላም ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ ልኡኻቶም ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ንፈለማ እዋን ብወግዒ ዝካየድ ክኸውን'ዩ።
እቶም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ልዝብ ዝጅምረሉ ካልእ መዓልቲ ዛጊት ኣይተቖጽረን ዘሎ።
እቲ ዘሸማግል ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ምድንጓያት ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ትግራይ'ውን ብዛዕባኡ ዝተባህለ የለን።
ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ማእከል ናይቲ ኲናት ዝኾነት ትግራይ ኣብ ዕጽዋ ስለእትርከብ ካብን ናብን እታ ክልል መጓዓዝያ ምድሪ ይኹን በረራታት ኣየር ተቛሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብረቡዕ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ንክዘራረቡ ናይ ዕድመ ደብዳበ ክልእኸሎም እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም'ዮም።
እንተኾነ ግን መራሕቲ ትግራይ፡ ዋላ'ኳ ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ እንተተቐበልዎ ተወሳኺ መብርሂታት ክወሃቦም ሓቲቶም ነይሮም።
ኣብ መግለጺኦም፡ ኣብቲ ዘተ መን ከምዝሳተፍ፡ ተዓዘብቲን ኣውሓስቲ ኣካላትን ክህልዉ እንተኾይኖም፡ ከምኡ'ውን ተራ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ከምዝኸውን ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ብዘይካ'ዚ፡ ድሕነት ናይቶም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቲ ትግራይ ንምውሓስን ሎጀስቲካዊ ምድላዋት ብዝምልከትን እቲ ሕብረት ዘለዎም ውጥን ክገልጸሎም ተማሕጺኖም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ዘርኣዩዎ ቅሩብነት ዝነኣድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣደራደርቲ ኣካላት በዓል መን ምዃኖም ኣፍሊጡ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምበፐ-ንጹካን ክምራሕ እዩ።
እቶም ኣደራደርቲ ሰፊሕ ልምዶምን ዓቕሞምን ብምጥቃም፡ ዘላቕን ኣሳታፍን ዘተ ምክያድ ከም ዝኽእሉ ሙሉእ እምነት ከምዘለዎ ሙሳ ፋኪ ተዛሪቡ።
"እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ ነቲ ኲናት ብሰላም ደው ንምባል መሰረት ዝኾኑ መትካላት፡ ናይ ኣጀንዳ ጉዳያት፡ ኣሰራርሓታትን ናይ ግዜ ሰሌዳን ምይይጥ ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ" ክብል እቲ ሕብረት ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ናይ ፕሪቶርያ ዘተ ብሸነኽ ክልቲኦም ወገናት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ዘለው በዓል መን'ዮም ዝብል እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት ሰላም ዝውከሉ ሰብመዚ ተፈሊጦም ነይሮም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







