ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዘዘራርቡ ኣካላት ተፈሊጦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብልዝብ ንምፍታሕ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዘዘራርቡ ውልቀሰባት ተፈሊጦም።
እቶም ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ኣብ ረጽሚ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ፡ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።
ሕብረት ኣፍሪቃዊ ብረቡዕ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ንክዘራረቡ ናይ ዕድመ ደብዳበ ክልእኸሎም እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም'ዮም።
እዚ ድርድር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ዝመርሖ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ዘርኣዩዎ ቅሩብነት ዝነኣደ ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት፡ ኣደራደርቲ ኣካላት በዓል መን ምዃኖም ወግዓዊ ገይሩ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምበፐ-ናግኩካን ክምራሕ እዩ።
እቶም ኣደራደርቲ ሰፊሕ ልምዶምን ዓቕሞምን ብምጥቃም፡ ዘላቕን ኣሳታፍን ዘተ ምክያድ ከም ዝኽእሉ ሙሉእ እምነት ኣለኒ ክብል ኣቦ መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ተዛሪቡ።
ኣብዚ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዝጅመር ዘሎ ዘተ ብሸነኽ ክልቲኦም ወገናት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ዘለው በዓል መን'ዮም ዝብል እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት ሰላም ዝውከሉ ሰብ መዚ ተፈሊጦም ነይሮም'ዮም።
ጉጅለ ድርድር ማእኸላይ መንግስቲ፡ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ እዩ።
እዚኦም፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ፣ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕነትን ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ሓላፊ ድሕነት ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሌ/ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፣ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣምሓራ ጌታቸው ጀምበር (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድርን እዮም።
መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ክልተ ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ተደራደርቲ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
ንሳቶም ድማ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጄነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳን እዮም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ብኣማኻርነት ከምኡ ድማ ሚኒስተር ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ብምዃን ዘገልገለ እዩ።
ናብ ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ ከኣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት፡ ሓላፊ ርክባት ወጻእን ኰይኑ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ቅድሚ 20 ዓመታት ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መራሕቲ ህወሓት ድሕሪ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ካብ ወተሃደራዊ ሓላፍነቱ ዝተኣልየ እዩ።
እቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንግዲ ተዋፊሩ እዩ ጸኒሑ።
እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 [ግእዝ] ተወሊዑ ክልተ ዓመት ክመልኦ ዝቐረበ ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተላብዐ ይዝከር።
ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኰይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝዀኑ ሓበሬታ ውድብ ሃገራት የመልክት።
ከቢድ ኲናት ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ብዝብል ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ምስተሰማምዑ እቲ ኲናት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ምጽንሑ ይዝከር።
ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2014 ከኣ ዳግማይ ተወሊዑ ይቕጽል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







