ኣብ ትግራይ፡ ህፃናት ዘጥቅዑ ሕማማት ምብዝሖም ተገሊጹ

መድሓኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብምኽንያት ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ክታበት ምሃብ ዳርጋ ዝተቛረጸ ኾይኑ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ኣብ ህፃናት እናበዝሑ ይመፁ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ጥዕና እቲ ክልል፡ ቁጽሪ ናይቶም ክታበት ዝወስዱ ህጻናት ብምንካዩ፡ ከም ንፍዮ፡ ፖልዮን ቴታነስን ዝኣመሰሉ ሕማማት ህጻናት ከም ዝወሰኹ ይገልጹ።

ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ’ቲ ክልል ብዝሒ ስሩዕ ክታበት ዝወስዱ ህፃናት፡ ናብ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ከምዝወረደ የመልክት።

እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ናብቲ ብደረጃ ዓለም ክታበት ዘቕርብ 'GAVI' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኸ ምትሕብባር ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፤ "ክታበት ዕሸላትን ህጻናት ሓዊሱ፡ ህይወት ዘድሕኑ መድሃኒታትን ናውቲ ሕክምናን ብዘይምህላዎም" ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከምዝተቓልዑ ገሊጹ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ክልል ለበዳታት ሕማም ንፍዮ፣ ረስኒ፣ መኒንጅይትስ፣ ፖልዮ ዝኣመሰሉን ከምዘጋጠሙ እቲ ቢሮ ጥዕና ኣብቲ ደብዳበ ሓቢሩ።

እቲ ቢሮ ከምዝገለፆ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ቀረብ ክታበት ምንካይ፣ ብሰንኪ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክታበት ኣብ ፍሪጅ ምቕማጥ ዘይምኽኣል፣ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ነበርቲ ናብ ማእከላት ሕክምና ክመፁ ብዘይምኽኣሎምን ዘስዐቦ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ 35 ወረዳታት፤ ኣብ 10 ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከምዝተራእየ እቲ ቢሮ ሓቢሩ።

ቁፅሪ ቴታነስ ኣብ ዕሸላት፡ ኣብ 2018 ባዶ ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 25 ሚኢታዊት ከምዝበፅሐ ድማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ዝበዝሑ ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዉን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዘይኽእሉሉ ብርኪ ምዃኖምን፡ ቅድሚ ኢሎም ዝወፁ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ደጊሙ ዝተወለዐ እቲ ኲናት፡ ነቲ ፀገም ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና፡ ከየጋድዶ ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።

ብሰንኪ ዋሕዲ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን፡ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር-መቐለ፡ ኣገልግሎት ኣብ ዘይህበሉ ብርኪ በጺሑ ከምዝነበረ ሰብ ሞያ ሕክምና ጠቒስና ጸብጻባት ምስራሕና ዝዝከር እዩ።

ብዚ ምኽንያት፡ ህጻናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።