ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ሕሙማት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓካዪም ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምናዊ ቀረባትን ኣፋውስን ህጻናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሓካይም ናይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣብቲ ክልል ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ንሮይተርስ ብቴለፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ብሰንኪ ስእነት ከም መጀነኒ 'ጎዝ'ን 'ኢንትራቨነስ ፍልዪድ' (ሓይሊ ዝህብ ፈሳሲን) ዝበሉ መሰረታዊ ሕክምናዊ ነገራት ብምስኣኖም፡ ክልተ ቆልዑ ከምዝሞትዎም ተዛሪቦም።
እቶም ሰብሞያ ከምዝሓበርዎ፡ 117 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ጸገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ። እቲ ሞት መዓስ ዘጋጠመ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይገለጹን።
ጠንቂ ናይቲ ሕጽረት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕግታ ምዃኑ'ዮም እቶም ሓካይም ዝዛረቡ።
እንተኾነ ግን፡ ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
እቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ-ትምህርቲን ሰፊሕ ዕንወት ምውራዱ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ጥዕናን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ስሩዕ ዘይምዃኑን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምድንጓይን ምትዕንቓፍን ከጋጥሞ ምጽንሑ ትካላት ረዲኤት ከማርሩ ጸኒሖም ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣትዉ ብምግላጽ፡ ከምዘይዓንቀፎም'ዩ ዝምጉት።
ሓደ ላዕለዋይ ሓኪም ሆስፒታል ዓይደር ከምዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 80 ክሳብ 90 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኣቋሪጸን ኣለዋ።
ኣብቲ ክልል ሕጂ'ውን ኣገልግሎት መራኸቢታት ተዓጽዮም ብምህላዎም፤ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ከቢድ ኮይኑ ይርከብ።
500 ዓራት ዘለዎ ሆስፒታል ዓይደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ቀረብን መሳርሒታትን ከምዘይተዋህቦ ሰለስተ ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ንሮይተርስ ሓቢሮም።
"ቀንዲ ስራሕና ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምሃብ ኮይኑ ይርከብ" ክብል እቲ ሆስፒታል ንዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ይገልጽ።
ዘይስሩዕ ሓይሊ ኤለክትሪክን ቀረብ ኦክስጅንን ጠንቂ ሞት ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ሕጽረታት ተደሚሩ መጥባሕቲ ምክያድ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ እቶም ሓካይም ገሊጾም።
ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ርእሲ ዝነበራ ስካነራት'ውን ዓዲ ውዒል ከምዝኾና ሓቢሮም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒታት ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘቋረጹ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን መላፍንቱን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዕንወትን ጥምየትን ኣስዒቡ ምህላዉ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ይምስክሩ።
ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ጽባሕ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።
ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ፡ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑ ጸብጺቡ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







