መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዘስግእ ደረጃ በጺሑ - ቀይሕ መስቀል

መቐለ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, MU

ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ መወከሲ (‘ሪፈራል’) ሆስፒታል ዓይደር ስሩዕ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእልዎ ቀረባት ብዝለዓለ ደረጃ ሕጽረት ስለዘጋጠሞ ሕክምና ንዘድልዮም ንምግልጋል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ተባሂሉ።

ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ሓበሬታ እቲ ሆስፒታል ድንገተኛን መድሕን ህይወትን ዝበሃሉ ከም መጥባሕትን ሕክምና ብጽኑዕ ዝሓመሙ ዝበሉ ኣገልግሎታት ከቋርጽ ከምዝተገደደ ወሃቢት ቃል ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ክሪስታል ዌልስ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እታ ወሃቢት ቃል ከምዝሓበረቶ፡ ዓይነታት መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ነዳድን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ስለዝተወደአ እዩ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐ።

ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጻ።

“ኣገደስቲ ዝበሃሉ እታወታት ሕክምናን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መኽዝን ናብ መቐለ ንኽኣትው ምስ ሰብመዚ ንዘራረብ ኣለና። እዚ ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝፍጸም ተስፋ ንገብር” ኢላ።

ብዘይካ’ዚ ኣብታ ከተማ ከቢድ ሕጽረት ማይ ከምዘጋጠመ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ማይ የከፋፍል ምህላዉ ይገልጽ። ስሩዕ ኣገልግሎት ማይ እታ ከተማ ናብ ዝነበሮ ክሳብ ዝምለስ ድማ እቲ ዝጀመሮ ማይ ናይ ምቕራብ ስራሕ ክቕጽሎ እየ ኢሉ።

“እዚ ስራሕ ህይወት ናይቲ ከቢድ ሓደጋ ዘንጸላለዎ ማሕበረሰብ ንምትራፍ ዝፍጸም ተግባር’ዩ። እቲ ኩነታት ናብ ዘስግእ ደረጃ ዓሪጉ’ሎ” ይብል እቲ ማሕበር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጎንጺ ንዝተጎድኡ ሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝርከብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፤ ብዙሓት ኣምቦላንስ እቲ ማሕበር ኣብቲ ጎንጺ ንዝተጎድኡን ንዝሞቱን ናብቲ ሆስፒታል የጓዓዕዛ ኣለዋ።

ነቲ ሆስፒታል ዝረኣዩ ኣባላት እቲ ማሕበር “80 ሚኢታዊት ካብ ተሓከምቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበጽሖም እዮም። ካልኦት ኣገልግሎታት ሕክምና ተቛሪጾም ድንገተኛ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝወሃብ ዘሎ” ክብሉ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ሓላፊት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ማሪያ ሶልዳድ “ቁስሊ ንምስፋይ ዘገልግል ናውቲ ሕክምና፣ ጸረ ተህዋስ መድሓኒት፣ መዕገሲ ቓንዛን ካልኦትን ብዘተሓሳስብ ደረጃ ይውዳእ ኣሎ” ክትብል ተዛሪባ ነይራ።

ንኣስከሬታን መዕሸጊ ዝኸውን ፕላስቲክ እውን ሕጸረት ከምዘጋጠመ ሓቢራ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝተሃሰያ ከባብታት ረድኤት ንምቕራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ምትእጉጓል ከምዘጋጠሞ ይገልጽ።