መራሕቲ ትግራይ፡ ጻውዒት ዘተ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሎም

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, DW

መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘቕረቦ ሓድሽ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ትማሊ ረቡዕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ናብቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝግበር ዘተ ብምዕዳሞም ኣመስጊኑ።

ኣቐዲሙ፡ ብ11 መስከረም 2022፡ መራሕቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ'ውን፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ህጹጽ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር፡ ግጭታት ንምቍራጽ ከም ዝሰማምዑ ብምሕባር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ንምስታፍ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብቐጥታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሓድሽ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ትማሊ ረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ።

እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ይፍለጥ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኡ፡ ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ልኡኻት ንምስዳድ ድሉዋት ኢና ኢሉ።

ይዅን እምበር እቲ ሕብረት ብዛዕባ እቲ ዝተሓስበ ዘተ ኣቐዲሙ ከም ዘየማኸሮም ብምግላጽ፣ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝህልዉ ካልኦት ተዋሳእቲ፡ ተዓዘብቲ ወይ ኣውሓስቲ ኣካላትን፡ ንተራ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሓስበን ብዝምልከት፣ ከምኡ'ውን ንጕዕዞን ጸጥታ ተዛታዪ ጕጅለ ዝምልከቱ ነጥብታት ጠቒሱ መብርሂ ንኽወሃቦም ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

እንተዀነ ግን ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ’ኳ፡ ሰንበት ግን 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል።

ምውጻእ ኣብ ትግራይ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኻልእ ወገን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሓያሎ ሰሙናት ኣብቲ ክልል ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ብሰላም ይወጽኡ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ትማሊ ሰሉስ ብሰላም ካብ ትግራይ ክወጹ ከም ዝኸኣሉን ተወሳኺ ምንቅስቓሳት ብዘይ ገለ ጸገም ክቕጽል ተስፋ ከም ዘለዎምን ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ቀረባ እዋን ንምትካእ ተስፋ ዘለዎም’ኳ እንተዀነ ዛጊት ዝተቐመጠ ፍሉይ ዕለት ግን ከምዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ይፍለጥ።

እቲ ሓላፊ፡ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን፡ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመር ክፈቕዱን፡ ውሕስነትን ድሕነትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ዝነበረ ‘ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ዝብሎ ሓገዝ ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ኣገደስቲ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ እዩ።

ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም፡ እቶም ተጻባእቲ ኣካላት፡ ከም ብሓድሽ ናብ ግጭት ከም ዝኣተዉ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣትን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ይካየድ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ ዝገልጽ እቲ ውድብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ሚልዮናት ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንክ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።