ጻውዒት ሰላም መራሕቲ ትግራይን ስቕታ መንግስትን እንታይ የመልክት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ኣለው።
ቅድም ኢሉ፡ መንግስቲ 'በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ' ድሕሪ ምእዋጁ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ዝነበረ ኲናት፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ናብ ድርድር ክመጽኡ'ዮም ዝብል ተስፋታት ክቀላቐሉ ገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ኲናት ዳግም ምስ ተወልዐ፡ ነቶም ተስፋታት ኣጸልሚቱዎም ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ልዝብ ንምስታፍ ድልዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ዝሳተፍ ኮሚቴ ሸይሙ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ብፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ዝምራሕ ልዝብ ከም ዘይደልዩ ይገልጹ ነይሮም።
ይኹን'ምበር፡ ሕጂ መራሕቲ ትግራይ እቲ ድርድር ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኵነት ንክጅምር ዝዕድም ጻውዒት ሰላም እዮም ኣቕሪቦም ዘለው፤ እዚ ኽኣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደጊፎምዎ ኣለው።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ጻውዒት ሰላም ትግራይ እንታይ የመልክት?
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣቆጻጽራ ግእዝ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እዚ ዓመት ኣብ ትግራይ ድምጺ ተኹሲ ዘይስምዓሉ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ረድኤትን ዝበጽሑሉ ዓመት ክኸውን ተምኒቶም ገሊጾም።
ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ድማ፡ ኣብቲ ቅድም ኢሉ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከም ዝቕጽል እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ'ዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፕሬዝደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ንክሳተፍ ሸይሙዎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ'ውን ነቲ ካብ ትግራይ ዝቐረበ፡ "ጻውዒት ሰላም" ወግዓዊ ምላሽ እንተዘይሃበ፡ ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተራኸበ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ልዝብ ሰላም ንምስታፍ "ድልዊ'ዩ" ምባሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።
ሓላፊ ማሕበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ ሃይለማርያም፡ ጻውዒት ሰላም ህወሓት ብኽልተ ምኽንያታት ኣካታዒ ኰይኑ'ዩ ይብል።
እቲ ሓደ፡ "እቲ ጻውዒት ሰላም 'ውዑይ' ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ዝቐረበ ምዃኑ'ዩ። ኲናትን ጻውዒት ሰላምን ከመይ ኢሉ ብሓባር ክኸይድ ይኽእል ዝብል ጉዳይ ሓደ'ዩ" ይብል።
እቲ ካልኣይ ኣካታዒ ዝብሎ ጉዳይ ድማ፡ "ህወሓት ክሳራ ስለ ዝበጽሖ እዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ፤ ስለዚ፡ እቲ ጻውዒት ሰላም ልባዊ ኣይኰነን፤ መዐደጊ ግዜ'ዩ ዝብሉ'ውን ኣለው" ኢሉ።
እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ሰባት ዋላ’ውን ነዞም መካትዒ ሓሳብ የልዕሉ እንተሃለው፡ ነቲ ዝቐረበ ጻውዒት ግን ዕሽሽ ክንብሎ ዝግባእ ኣይኰነን ይብል።
“ዝዀነ ወገን፡ 'ንሰላም ዕድል ንሃብ፤ ኣነ ተኹሲ ደው ከብል እየ እንተይሉ' ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ዘርኢ’ዩ። ስለዚ ህወሓት ብርግጽ ንሰላም ድልውነት ኣለዎ ድዩ ዝብል ድሕሪ ሕጂ ዝርኣይ ክኸውን እዩ፤ ኣነ ግን እቲ ጻውዒት ኣይነፍጐን” ይብል።
ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሐ በዓል ሞያ ሕሂ ባይሳ ዋቅወያ ብተመሳሳሊ፡ ንዘራረብ ምባል ከም ስዕረት ኣይርእዮን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እቲ ጐንጺ፡ ፖለቲካዊ ውድቀት’ዩ፤ ኣብ ፖለቲካ ምስናፍ’ዩ ግጭት ዘምጽእ” ይብል።
መጀመርታ ክልቲኦም ኣካላት፡ ናብ ጐንጺ ምእታዎም ጌጋ’ዩ ዝብል እቲ ሙሁር፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዘቲኻ ምፍታሕ ከም ድኽመት እዩ ዝርኣይ” ብምባል ይገልጽ።
“ሕጂ፡ ሓይልታት ትግራይ ንዘራረብ ክብሉ እንከለው፡ ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ‘ስለ ዝደኸሙ’ዮም ሰላም ዝብሉ ዘለው፤ ስለዚ ክንሰብሮም ኢና’ ዝብል ነገር ይስማዕ። እዚ ምሁራት’ዮም ዝብሃሉ ዓበይቲ ሰባት እውን’ዮም ከምኡ ዝብሉ” ክብል ይነቅፍ።
ወሲኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ጻውዒት ዘቕረብሉ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን “ህይወት ሰብ ዘድሕን፣ ቁጠባ ንከይጉዳእ ዝገብር፣ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ዝከላኸል ስለ ዝዀነ ክተባባዕ ይግባእ” ብምባል መንግስቲ ወግዓዊ ምላሽ ክህበሉ ኣለዎ ኢሉ።
ስቕታን ቅድመ ኩነትን መንግስቲ ፌደራል
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ዘይሃበሉ ምኽንያት ምግማት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ይብል።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮንን፡ እቲ ዝርርብ ሰላም ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ እንተዀይኑ፡ መንግስቲ ምሉእ ድልውነት ኣለዎ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ነቲ ህወሓት ዘቕረቦ ጻውዒት ወግዓዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።
ዋላ’ኳ ስቕታ መንግስቲ ግር ዘብል እንተዀነ፡ “ነቲ ብሸነኽ ህወሓት ዝቐረበ ጻውዒት ካብ ምጥርጣር ወይ ዘይምእማን ዝነቅል ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል።
“ምናልባት መንግስቲ ካብ ህወሓት ዝጽበዮ ተወሳኺ ነገር ዘሎ ይመስለኒ። ህወሓት ሕጂ ኲናት ካብ ዘለዎ ቦታ ክወጽእ፡ ወይ ኲናት ጠጠው ከብሉ ስለ ዝደለየ ክኸውን ይኽእል”።
ወሲኹ'ውን፡ ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም ዝብሉ ርኢይቶታት ምሃቦም ብኣብነት የልዕል።
መራሕቲ ትግራይ “ጻውዒት ሰላም” ድሕሪ ምቕራቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣዛዚ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ “ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኣንይንደራደሉን” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኲናት ዳግም ቅድሚ ምውልዑ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም ኣብ ዝብሃለሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ገለ ቅድመ ኩነታት ከም ዘይተሰማምዑ ይዝረብ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, MFA FB
ሓላፊ ማሕበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ያሬድ፡ ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ዝቕመጡ ቅድመ ኩነታት ንመስርሕ ዕርቂ የበላሽው’ዮም ኢሉ ይኣምን።
“እቲ ኣደራዳሪ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ዝብል ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ቦታኦም ይመለሱ ዝብሉ ነገራት ይለዓሉ’ዮም። ኰፍ ኢልካ ብዝርርብ ክፍትሑ ዝግብኦም ጉዳያት ናብ ዘተ ንምእታው ቅድመ ኩነት ኰይኖም ክቕመጡ የብሎምን” ይብል።
መን የደራድረና? ኣበይ? መዓዝ ንራኸብ? ተዓዛቢ መን ይኹን? ዝብሉ ነጥብታትን ምቁራጽ ተጻብኦን ከም ቅድመ ኩነት እንተቐረቡ ዘጸግም ከምዘይኮነ ኣቶ ያሬድ የረድእ።
“ኣብ ገለ ሃገራት፡ ተኹሲ ደው ኣቢልና ንዘራረብ ክብሃል ይስማዕ’ዩ፤ ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ወረቐት ክሰፍር ብምግባር ነዚ ዝጥሓሰ ክቕጻዕ ይግበር። ክልቲኦም ወገናት ዕርቂ ዝደልዩ እንተዀይኖም፡ ነዚ ክሓስብሉ ይግባእ”።
ካብ ኦባሳንጆ ናብ ኡሁሩ?
ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኻት መንግስታት ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ስልጣኑ ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዘረከበ ይዝከር።
ዊልያም ሩቶ፡ ሓምሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ፡ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት መንግስቱ ኣብ ዘብርሀሉ ግዜ፡ ኬንያታ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ሰላም ንምምጻእ ዝምስገን ተግባር ወጊኑ'ዩ ብምባል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ኡሁሩ ኬንያታ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ገይሩ’ዩ ብዝብል ሽሙ ይለዓል።
ኬንያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ኬንያታ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ’ዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሰላም ንምምጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረሉን።
መራሕቲ ትግራይ፡ “ኦባሳንጆ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረባ’ዩ” ክብሉ ይከሱ።
ተንታኒ ጉዳያት ሰላም ኣፍሪቃ ዓብዱላሂ ቦሩ ሃለኬ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ቅድሚ ሕጂ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ንክቕጽል ካብ መንግስቲ ሃገሩ ሓላፍነት ምርካቡ እወንታዊ ምዕባለ እዩ ይብል።
ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩነታት ኢትዮጵያን ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ስርሑ ንክቕጽል ምግባሩ ስትራቴጂካዊ’ዩ ብምባል የረድእ።
ኡሁሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ምምጻእ ንክሳተፍ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት እንተሾሞ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ዝሃቦ ሓላፍነት የለን።
“ስለዚ፡ ኬንያታ መዓዝን ከመይን ንመስርሕ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ከቐጽሎ ይኸውን፤ ወይ ክቃወሞ ድዩ ዝብል ክንከታተሎ ይግባእ” ኢሉ ዓብዱላሂ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበር ዘተ ብቐንዱ ዘልዕሉዎ ጉዳይ ተኣማንነት ኣደራደርቲ ወገናት እዩ።
“ህወሓት ቅድሚ ሕጂ፡ ኦባሳንጆ ብሰንኪ እቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ቅርበት ኣይንቕበሎን ይብል ነይሩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ዝዀነ ቅርታ የብሉን፤ ንዕኡ’ዩ ዝደሊ” ይብል ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም።
ስለዚ፡ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኦባሳንጆ እምነት እንተዘይሃልዩዎ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ እንተመጺኡ፡ መንግስቲ ድማ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ይርኣይ ዝብል ሕትኡ እንተተመሊሱ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት እምነት ኣሕዲሮም ኣለው ማለት’ዩ” ክብል የረድእ።
ኬንያታ፡ ነቲ ድርድር ክመርሖ እንተኽኢሉ፡ ብክልቲኦም ወገናት ዝህሉ ተቐባልነት እንታይ ክመስል ይኽእል ኢልና ዝተወከስናዮ ዓብዱላሂ፡ እዚ ምግማት ቀሊል ኣይኰነን ይብል።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ “መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ መስርሕ ሰላም ክቆጻጸሮ እዩ ዝደሊ፤ ኦባሳንጆ ዝመርሖ መስርሕ ክኣ ምስ’ዚ ድልየት ሓቢሩ ዝኸይድ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ንኬንያታ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን” ኢሉ።
እቲ ተንታኒ ወሲኹ፡ ክልቲአን ሃገራት ከም መሓዙት ሃገራት ዝጠማመታ እንተዀና’ውን፡ ንሓድሕደን ጸብለልታ ንምምዝጋብ ዝነሃንሓ ሃገራት ምዃነን ክዝንጋዕ የብሉን ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ህወሓት ጥራይ ዘይኰነ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣሜሪካን፡ ኬንያታ ዝመርሖ መስርሕ ሰላም’ዮም ዝድግፉ። ስለዚ ኡሁሩ ኬንያታ፡ በቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ምምራጹ ክንደየናይ ናይ ሩቶ ሃሳብ’ዩ? ወይስ ጽልዋ ኣካላት ወጻኢ ኣለዎ ዝብል ግልጺ ኣይኰነን” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







