ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ብሓቂ'ዶ ድሌት ዘተ ኣለዎም'ዩ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሒ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ዝገብሩዎ ጕዕዞ ማሕለኻታት ዝበዝሖ ኰይኑ ኣሎ።

ክልቲኦም፡ ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ዘለዎም መርገጽን ፍልልያትን ብዝተፈላለየ መገዲ ከንጸባርቝ ጸኒሖም እዮም።

ትማሊ 24 ነሓሰ ንግሆ ኸኣ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ሰራዊት ፈደራል ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ሓቢሩ ብግንባር ደቡብ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከፊቱልና ክብል ከሲሱ።

መንግስቲ ፈደራል ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኲናት ጀሚሮምዎ ኣለው ይብል።

ቅድሚ ሰሙን'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ፈደራል ብሸነኽ ደደቢት ብኸቢድ ብረት ደብዲቡና ክብል ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ፈደራል ነጺጕዎ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም ክዘራረቡ ድልውነቶም ካብ ዝገልጹ ንደሓር፡ ሓንሳብ ብጉዳይ ኣሸማገልቲ ካልእ ሳዕ ቅድሚ ሽምግልና ብዝቐርብ ቅድመ ኩነት ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ሕጂ ናብ ሰፊሕ ውግእ ኣትዮም ዘለው።

እዚ ፍጻመታት ከኣ፡ ‘ንምዃኑ’ኸ እዞም ክልተ ሓይልታት ናይ ብሓቂ ሰላማዊ ዘተ ይደልዩዎ ድዮም?’ ዝብል ሕቶ ከልዕል ባህሪያዊ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚቴ ሰላም መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት፡ ኣብ ምቍራጽ ተጻብኦ ዘድሃበ ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ዝርርብ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክጅመርን እቲ ጉዳይ ብሃገራዊ ዘተ ክፍታሕ ዝብል ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ እቲ መግለጺ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ “ምምሕዳር ኣቢይ ዘቘሞ ኮሚቴ ሰላም፡ [መርኣያ እቲ] ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓይልታት መንግስቲ ተዅቲኾምና ኣለው” ክብል ብትዊተር ሓቢሩ።

ዳይረክተር ማእከል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ያሬድ ሃይለማርያም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክልተ ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ክኣትው እንከለው፡ ማሕለኻታት ከም ዘጋጥም ብምሕባር፡ እቲ ክልቲኦም ወገናት ዘልዕሉዎም ዘለው ሕቶታታት ኣብ ካልኦት ጐንጽታት’ውን ዝተለምዱ እዮም ኢሉ።

“ኣደራዳሪ መን ይዅን? እቲ ዘተ ኣበይ ይዅን? ኣበየኖት ጉዳያት’ከ ንደራደር? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም ኣይተርፍን። ሓሓሊፉ እውን ምኽንያት ይኸውን’ዩ፤ እዚኦም ከኣ ሓሓሊፉ ቅኑዓት ምኽንያታት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።

ድልየት ትግራይ እንታይ’ዩ?

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ፡ ኣገልግሎት ስልኪ፡ ባንኪ፡ ቴሌኮምን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ተቛሪጾም’ዮም። መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ እዞም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ክጅመሩ ይሓትት።

እዞም ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ስራሕ ክጅምሩ ዘኽእል ስምምዕ እንተሃለወ’ውን፡ መንግስቲ ፌደራል እቶም ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ንምጅማር ቀንዲ ማሕለኻ ዝዀነ ነገር ኣብ ልዕሊ ንጽገና ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ’ዩ ይብል።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ግን፡ ፕረዚደንት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብልኡኻት ሕብረት ኤውሮፓን ኣሜሪካን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ድሕነት እቶም ንጽገና ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ክሕሎ’ዩ ምባሉ ይዝከር።

ፕሬስ ሰክረታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም፡ እቶም ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንኽጅመሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህወሓት ንዝርርብ ክፍ ክብል ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ ኢላ።

ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ መራሕቲ ትግራይ ክራኸብ ጸኒሑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getachew Red/Twitter

ኣቶ ያሬድ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ዕርቅን ሰላምን ዝደልዩ እንተዀይኖም፡ ኣብዞም ጉዳያት ንምድርዳር ድልውነት ምርኣይ ንርእሱ እቲ ድርድር ከም ዝተጀመረ መርኣያ ክኸውን ምኽኣለ ይብል።

“እዞም ሕቶታት ናይ መስርሕ ሕቶታት’ዮም። ብመንጽር ኣብ ድርድር ዝለዓሉ ሓሳባት እንተርኢናዮ ድማ፡ ውሑዳት ዝበሃሉ ሕቶታት’ዮም። ይዅን’ምበር እቲ ሓደ ሸነኽ ከንሳሕብ እንከሎ፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ድልየት ከም ዘይነበሮ ዘርኢ’ዩ” ይብል።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘ክልተ ጭዋታት ክጐራፈጡ እንከለው’ዩ ዕርቂ ዝህሉ’ ዝብል ኣቶ ያሬድ፡ “ካብ ሞንጐ እቶም ተደራደርቲ ሓዲኡ’ኳ ቅንዕና እንተዘይሃሊዩዎ፡ እዞም ሕቶታት እንተተመለሱ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ጸገም ምፍጣሩ ኣይተርፍን” ኢሉ።

ስግኣት ኲናት ዘንጸላለዎ ዝርርብ ሰላም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ዝርርብ ቅድሚ ምእታዎም፡ ዘይሰማምዑሎም ጉዳያት ክህልው ከም ዝኽእሉ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።

“ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ጉዳያት፡ ቅድመ ኵነት ዝርርብ ኰይኖም ክቕመጡ የብሎምን። እዞም ሕቶታት እንተተመሊሶም እቲ ድርድር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ምኽንያት እቲ ጐንጺ ዝዀኑ ጉዳያት ኣካል እቲ ድርድር እዮም። ስለዚ እዚኦም ነቲ መስርሕ ከተዓናቕፉዎ ተኽእሎ ኣለዎም” ይብል ኣቶ ያሬድ።

እቲ ዝርርብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝጓተት እንተዀይኑ፡ “ብኽልቲኡ ሸነኽ ዕጡቕ ሓይሊ ስለ ዘሎ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ዝኸፍአ ጐንጺ ክንርኢ ንኽእል ኢና” ዝብል ስግኣት እውን ኣለዎ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ክልቲኦም ኣብ ረጽሚ ዘለው ወገናት ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመታት ዘካየድዎ ኲናት ኣብ ዕረፍቲ ዘለው እምበር ንልዝብ ዝኸውን ምድላው ዝገብሩ ዘለው ኣይመስሉን ኢሉ ነይሩ።

“እቲ ኲናት ብዓወት ሓደ ሓይሊ ስለ ዘይተወድአ፡ ናብ ናይ ሰላም ድርድር ዝኣትውሉ ዘለው ምኽንያት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጢ ዝብገስ እምበር ፈትዮም ዝኣተውዎ ኣይመስልን። ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ድልውነት ኣብ ሕቶ ምልክት’ዩ ዘሎ” ክብል ርእይቶ ሂቡ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ዘይምትእምማን ዓቢይ ማሕለኻ እዩ ዝብል ፈጻሚ ስራሕ ቲንክ-ታንክ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃን ምሁር ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢን ፕሮፌሰር ፒተር ካግዋንጃ፡ ኲናት ትግራይ ብባህሪኡ ዝተፈለየ’ዩ ይብል።

“እቶም ሕጂ ኣብ ረጽሚ ዘለው ኣካላት ኣብ ሓደ እዋን መላፍንቲ ዝነበሩ’ዮም። ኣቢይ ኣሕመድ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት ዝሰልጠነ መራሒ’ዩ። ስለዚ እቲ ጐንጺ፡ ኣብ መንጐኦም ብዘሎ ምጥርጣር፣ ቅንዕና ዘይብሉ ድልየትን ዝተዓጸፈ እምነትን ዝገልጽ’ዩ። ስለዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓደ ነገር ንኽሰማምዑ ዘኽእሎም ምትእምማን ንኸማዕብሉ ግዜ ከድልዮም’ዩ” ኢሉ።

ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንሓድሕዶም ምክሳስ ጀሚሮም ኣብ ዘለውሉ ህሞት፡ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ሓቲቱ ኣሎ።

ኮሚቴ ሰላም መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ዝርርብ ዝካየደሉ ቦታን ግዜን ብቕልጡፍ ተወሲኑ ድርድር ንኽጅመር ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐረባ ይሰርሕ ምህላው ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።

ህወሓት ግን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብሸነኽ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሊቃ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ እምነት የብለይን ብምባል፡ እቲ ዝርርብ ኬንያ ክትመርሖን ኣብ ናይሮቢ ክካየድን ዘለዎ ድልየት ከንጸባርቕን ልኡኻቱ ናብ ናይሮቢ ንክልእኽ ድሉው ከም ዝዀነን’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ኣብ ልዕሊ ኦባሳንጆ ከም ሰብ ዝዀነ ዓይነት ጸገም የብልናን፤ እወንታዊ ተራ እንተዝጻወት ደስ ይብለና። ግን ዝዀነ ዓይነት ፍኖተ ካርታ የብሉን” ክብል ተዛሪቡ።

ኬንያ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ንማሕብረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትመርሕ ምጽንሓ፡ ጐንጺ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍታሕ ዓቢይ ተራ ዘለዋ ሃገር ኰይና ክትውሰድ ከም ዝገበራ ኣብ ናይሮቢ ፈጻሚ ስራሕ ቲንክ-ታንክ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃን ምሁር ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢን ፕሮፌሰር ፒተር ካግዋንጃ ይዛረብ።

“እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መጀመርታ ናብ ኬንያ’ዩ መጺኡ። ብድሕሪኡ ድማ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ልኡኻት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሰዲዳ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንኬንያ ከተረድእ ጸኒሓ። ስለዚ ኬንያ ነዚ ኲናት ጋሻ ኣይኰነትን” ይብል።

ብረት ዝተሰከሙ ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ኡህሩ ኬንያታ፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራብን ዓቢይ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ ፈጢሩ’ዩ ዝብል ፕሮፌሰር ካግዋንጃ፡ እቲ ፕረዚደንት’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ዝርርባት ብምስታፍ ናእዳ ከምዘትረፈ ገሊጹ።

ንኣብነት፡ “ዝርርብ ሰላም ቡርንዲ ብምምራሕ ከምኡ’ውን ኣብ ኮንጐ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብምስታፍ ኣብታ ሃገር መረጻ ንክካየድ ዓቢይ ተራ ነይሩዎ። በዚ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ሽማግለ ሰላም ስለ ዝነበረ ኬንያ ተስፋ ዝግበረላ ሃገር ከምእትኸውን ገይሩ’ዩ”።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ኬንያ ክልቲኦም ወገናት እምነት ዘሕድሩላ ሃገር ስለ ዝዀነት እቲ ድርድር ክትመርሖ’ያ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ ብወገኑ፡ ኬንያ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ መረጻ፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝነበራ ጻዕሪ ከም ሃገር ድዩ ወይስ ከም ውልቂ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ? ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ’ዩ ይብል።

“ሃገራት ምዕራብ፡ ብምኽንያት እዚ ጐንጺ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽኡ እንከለው ንናይሮቢ ከይበጽሑ ኣይምለሱን። ብፍላይ ኣሜሪካ፡ ኬንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛማዲ ርግኣትን ሰላምን ዘለዋ ሃገር ስለ ዝዀነት ናብዚ ሰላም ዘምጽኣታ ይመስለኒ”።

ቀዳማይ ሚኒስትረ ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያ ከም ሃገር ዝተጻወተቶ እጃም እንተነይሩ፡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር’ውን ክቕጽል ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ድማ፡ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምምራጻ፡ “ብናተይ እምነት ዝቕይሮ ነገር የለን” ይብል።

እቲ ምሁር፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ከም ምኽትል ኬንያታ ኰይኑ ዘገልገለ ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ለውጢ ክገብር ይኽእል’ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይዛረብ።

ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ወግዓዊ ምስ ገበረ፡ ነቲ ውጽኢት ዘይተቐበለ ተነሓናሒኡ መራሒ ሰልፊ ተቓውሞ ዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐረበሉ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበር። በዚ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንውጽኢት እቲ መረጻ እንተሰሪዙዎ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሓድሽ መረጻ ንክካየድ ትእዛዝ ከመሓላልፍ’ዩ።

እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ኬንያ ንክካየድ እንተተሰማሚዖም፡ እዚ መስርሕ ቤት ፍርዲ ምናልባት ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ ዘተ ከደናጉዮ ከም ዝኽእል እቲ ምሁር ይዛረብ።

ኣብዚ ደረጃ ንክበጽሑ ግን፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ተደራደርቲ ሓይልታት ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ጸገማት ዓቢይ ማሕለኻ ክኸውን ከም ዝኸእል ስግኣቱ ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ21 ነሓሰ 2022 ካብታ ሃገር ምስ ዝተወዋጽኡ መናእሰይ ኣብ ዝነበረ ናይ ዘተ መድረኽ ንኵነታት ትግራይ ዝምልከት ሕቶ ቐሪብሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ናብ ትግራይ ንከይኣቱ ‘በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ’ ከምዘካየደ ብምሕባር እቲ ጸገማት ብሰላም ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ምባሉ ይዝከር።

“እቲ መፍትሒ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ’ዩ . . . ኲናት ተፈቲኑ’ዩ . . . ድሕሪ ሕጂ ግን ወያነ ዝደለዮ ሓገዝ፣ ዝደለዮ ሓይልን ከላሽንን እውን እንተሰለፈ ክስዕር ኣይኽእልን’ዩ። ምኽረይ ኲናት ይኣኽለና ዝብል’ዩ። ንሰለስተ ዓመት ካብ እንዋጋእ ን30 ዓመታት እንተንዘራረብ ይሓይሽ” ከኣ ኢሉ።