መንግስቲ ፌደራልን ሰራዊት ትግራይን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተጀመረ ገሊጾም

ኣብ ወሰን ጽርግያ ተሃሪማ ደው ዝበለት ታንኪ

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን ሎሚ ወጋሕታ [24 ታሕሳስ 2022] ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ መግለጺ ኣውጺኡ።

መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ወቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከምዝጀመርዎ ገሊጹ።

መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ሰራዊት ናብ ድፋዓት ክጽግዑ ከምዝቐነዩ ብምግላጽ ሎሚ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ ብኣንፈታት ጩቤ በር፣ ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ፣ ባላን ቢሶበርን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ረድኤታት ንኽሓልፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝብጻሕ ብተዛማዲ ምልውዋጥ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ።

ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጀሚሮም ግን ብኽልቲኦም ወገናት ምስ ኵናት ዝተሓሐዝ ምክሳሳት ክስማዕ ምጽንሑ ይዝከር።

መግልጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ እቲ ኵናት ናብ ምዕራብ ትግራይ’ውን ክልሕም ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ኣሎ።

ክልቲኦም ኣካላት በዚ ሎሚ ወጋሕታ ጀሚሩ ዝብልዎ ዘለዉ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ንሓድሕዶም ኣብ ምክሳስ’ዮም ዝርከቡ።

17 ነሓሰ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ናይ ታንክታትን ከበድቲ ብረታትን ደብዳባት ከመዝተፈጸመ ኣብ ዝኸሰሉ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ዘተ ንምቅልጣፍ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም።

ካርታ ትግራይን ኣምሓራን

መንግስቲ ኢትዮጵያ 18 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰራዊቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ክሲ ነጾግዎ ነይሩ።

ፕረስ ሴክረታርያት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቢልለኔ ስዩም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ከፊቶም ዝብል "ሓሶት ምዃኑን ህወሓት ካብ ዘተ ሰላም ንምህዳም መመኽነይታ ንምርካብ ዝዓለመ ከምዝኰነን" ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኩናት ሓድሕድ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቀሉ፡ ክስደዱን ንጥምየት ክቃልዑን ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።

ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ድሕሪ ዝተበጽሐ ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ወሃደራዊ ግጭት ሃዲኡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ፖለቲካዊ ፍልልዮም ብዘተ ንምፍታሕ ተዳልዮም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራይ ክምእዘን ክደሊ እንከሎ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብሻራዊነት ብምኽሳስ፡ እቲ ዝርርብ ብመንግስቲ ኬንያ ክምእዘን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።