ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ንምጽጋን እኹል ምዕባለታት የለን- ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተኹሲ ደው ምባልን ዝርርብ ምጅማርን፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላስን፡ ምሕዝነት ኤውሮጳን ኢትዮጵያን ንምጽጋን ቅድመ ኩነታት እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ብኹሎም ወገናት ንዝተፈፀሙ ግህሰት መሰላት ተሓታትነት ክህሉን ክረጋገጸጽን ብዝምልከት መሰረታዊ ጉዳያት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብንፁር ኣቕሪቡ ከምዘሎ ይገልጽ።
ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወፃእን ፖሊሲ ፀጥታን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮፓን ዝዀነ ጆሴፍ ቦረል፡ እዞም ቅድመ ኩነታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮጳ ከምዝተልዓሉ'ውን ገሊጹ።
'ዝተዘንገዐ ኲናት ትግራይ ደው ዝብለሉ እዋን ሕዚ እዩ' [ ‘ታይም ቱ ስቶፕ ዘ ፎርጋትን ዋር ኢን ትግራይ’ ] ዝብል ፅሑፍ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ስሩዕ መርበብ ሓበሬታ ሕብረት ኣውሮጳ ብ5 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ መርገፂ ኣውሮጳ ዘንፀባርቕ እዩ።
እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ምባል ስዒቡ፡ ገለ ምምሕያሻት ተራእዩ እኳ እንተሎ፡ ዝምድና ሕብረት ኤውሮጳን ኢትዮጵያን ንምምላስ እኹል ምምሕያሻት ከምዘይኮነ ይገልጽ።
ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ እውን ተመሳሳሊ ቅዋም ከምዝሓዘ ይግለጽ።
ምስ'ቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ስዒቡ፡ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ባጀት ደገፍ ደው ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ሕብረት፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝገብሮ ደገፍ ኣየቋረፀን" ዝበለ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ትምህርትን ብግጭት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ዝተውሃበ ናይ 80 ሚልዮን ዩሮ ደገፍ ከም ኣብነት ጠቒሱ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ሕብረት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመታት ጥሜትን ፆታዊ ዓመፅን ከም መሳርሒ ውግእ ኣብ ረብሓ ዝወዓለሉ ዘስካሕክሕ ኲናት ከምዝዀነ ገሊጹ ።
ዋላ'ኳ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዘተ ሰላም ከካይዱ ድሌት ከምዘለዎም እንተገለጹ፡ "ኣገልግሎት መግቢ፣ መድሓኒት፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምን ባንኪን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕሉ ኣለው" ኢሉ ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፍሉያት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካን ኣውሮጳን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘተን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ከምዝተዘራረቡ ኣዘኻኺሩ።
እዞም ልኡኻት፡ ዋላ እኳ ብዛዕባ ሰላማዊ ዝርርብ እንተተነግረ፡ እቲ ኲናት ግን ‘ድምፂ ኣልቦ’ ኮይኑ ገና ይቕፅል ከምዘሎ እዮም ተዓዚቦም- ይብል።
እቶም ፍሉያት ልኡኻት፡ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ድኹዒን ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ከምዘለዎ ገሊፆም።
ካብ ኣመራርሓ ትግራይ ናብ ፌደራል መንግስቲ ዝተላእከ ደብዳበ ሒዞም ምምጸኦም ድማ ዝዝከር እዩ።
እቲ ደብዳበ፡ ዝተቋረጹ መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ንቡር ንክምለስ ዝሰርሑ ክኢላታት ድሕንነቶም ዘረጋግፅ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም ልኡኻት ነቲ ቅድመ ኩነት ኣብ ምምላእ ትኹረት ከምዝገበሩ ወቒሱ ጥርዓን ከምዘቕረበ ይዝከር።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነቲ ዝተቛረጸ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ዘለዎ መርገጺ ንጹር ምዃኑ፡ ኣገልግሎት ዝጅመረሉ ኩነታት ምፍጣርን ዘተ ሰላም ምጅማርን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ።
ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንዝገበሩ ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮፓ ሌናርቺች ብምጥቃስ፣ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምንቅስቓስ ሰባት፣ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ክትዕ ወይ ድርድር ከምዘየድልዮ ገሊጹ።
"ምኽንያቱ እዚ ሕቶ ህይወት ህዝቢ ምድሓን ስለዝኾነ" ኢሉ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ካልኦትን ዘለዎ ግዴታ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍፅም ንፅበ። እዚ ማለት ፖለቲካዊ መስርሕ ንኽጅመር ሓደ ወገን ቅድመ ኩነት ምቕባል ማለት ኣይኮነን። እዚ ንህዝቡ ዘለዎ ግዴታ ክዋጻእ ምሕታት እዩ" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ 4.8 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ዓፋር 1.2 ሚልዮን ህዝቢ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።
ኣብ ተበፃሕነት እዞም ሰብኣዊ ሓገዛት ዝተወሰነ ምምሕያሽ እኳ እንተተራእየ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ግን ሐዚ እውን ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ወጥሪ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ይረአ ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ስግረ-ዶባውን ጎንፅታት ኩነታት ፀጥታ እታ ሃገር የጋድዱዎ ከምዘለዉ ይንገር።
ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሶማል ዝኣትዉ ዕጡቓትኣልሸባብ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቅልውላው ዘጋጥም ሓደጋ ዘጉልሕ ምዃኑ ጠቒሱ።
"እዚ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸሉ ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ዝብለሉ እዋን ሕጂ እዩ" ክብል እቲ ሕብረት ንኹሎም ወገናት ክዘራረቡን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
"እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንሰላም ዘለዎም ቆራጽነት ዘርእይዋኑ'ዩ" ዝበለ ጆሴፍ ቦረል፡ ምኽንያቱ ድማ ህዝቦም፣ ሃገሮምን እቲ ዞባን ካብ ህውከት ከድሕኑ ተላብዩ።
"ንሰላማዊ ስምማዕ ትብዓት ይሓትት። ወይ ድማ ናብ ዘተን ስምምዕን ምምጻእ ካብ ምቕጻል ኲናት ንላዕሊ ትብዓት ይሓትት" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ኣብ መስርሕ ሰላም፡ ሓደ ኣካል ክዕወትን እቲ ካልእ ድማ ክስዕርን ኣይኮነን። ብዓሚቕ ትርጉሙ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምልምማድ እዩ። ዋላ እኳ ንእሽቶ መስኮት ዕድል እንተሃለወ፡ ሕዚ እዩ እቲ ግዜ። ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ነዚ ዕድል ክጥቀሙሉ ንጽውዕ” ኢሉ ጆሴፍ ቦረል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







