ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, JANEZ LENARČIČ
ኮሚሽነር ምሕደራ ቅልውላውን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣውሮጳ ጃነዝ ለናርቺክ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዘተ፡ ትማሊ ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣቕኒዑ ምስ ፕረዚደንት ትግራይ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛራሪቡ፡፡
እቲ ኮሚሽነር ብሰኑይ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ከም ዝተራኸበ ብምሕባር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንጸገም ንዝቓልዑ ዜጋታት ንምሕጋዝ ሕብረት ኣውሮጳ ድልው ምዃኑ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡
‘‘ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ተደራራብቲ ጸገማት ኣጋጢሞምዋ ኣለው፤ በዚ ምኽንያት 30 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ’’ ኢሉ።
ብተወሳኺ ዋላ'ኳ ትኹረት ዓለም ናብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር እንተዀነ፡ ካልኦት ቅልውላዋት ከም ዘይተዘንግዑ ብምሕባር ‘‘ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ናብቶም ዝደልዩዎ ክበጽሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቀላጥፍ ይምሕጸን’’ ኢሉ፡፡
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ርክብ ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓርፊፉ እዩ ጸኒሑ፡፡
እቲ ሕብረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ ከልዕልን ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ከፍቅድን ክጽውዕ ጸኒሑ።
ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ዋላ'ኳ ዝርኣዩ ምምሕያሻት እንተሃለው፡ ሕጂ'ውን እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ገና ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ፡፡
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ምምሕያሽ ርክባት ‘‘ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፣ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምምላስ፣ ኣብ ልዕሊ ነዳድን ድኹዕን ዝተገበረ ክልከላ ኣብ ምልዓል ዝምርኮስ እዩ፤ ህይወት ሚልዮናት ካብ ሞት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ጉዳይ እዚ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ጃነዝ ለናርቺክ ብዛዕባ ናይ ትግራይ ጻንሒቱ እንታይ ኢሉ?
ኮሚሽነር ለናርቺክ ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ትማሊ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ ከም ዘካየደን ምስ መራሒ ትግራይ ከም ዝተዘራረበን ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ እውን ንርክቦም ዝምልከት መግልጺ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ሂቡ፡፡
ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽቡቕ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ ኣብቲ ክልል ዓሲሉ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ከም ዘለዎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ ከም ዝግባእን ተዛሪቡ፡፡
‘‘ ነዳዲ ኣዝዩ ተደላዪ እዩ፤ ነቲ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሰሉ ይግባእ፡፡ ተጋሩ እኹል ተሳቕዮም እዮም’’ ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ፡፡
ኮሚሽነር ምሕደራ ቅልውላውን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣውሮጳ ጃነዝ ለናርጂች፡ ኣብ ትግራይ ‘‘ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ኤሌክትሪክን ቴሌኮምኒኬሽንን ተቋሪጾም ክጸንሑ ምግባር ምኽንያቱ ኣይተርኣየንን’’ ምባሉ ኤፒ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ናብቶም 5.2 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ፈታኒ ከም ዝገበሮ ምግላጹ ሓቢሩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ቀረብ ነዳዲ ንወተሃደራዊ ዕላማ ከውዕልዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት እንተሃልይዎ ድማ ‘‘መቆጻጸሪ ሜላ’’ ክጥቀም ይኽእል እዩ ምባሉ እውን እቲ ማዕን ዜና ጸብጺቡ፡፡
ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብሕታዊ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ምብጻሕ ከም ዘካየደ ተገሊጹ እዩ፡፡
ድሕሪ መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይ ዝወሰድዎ ንሰብኣዊ ሓገዝ ጊዝያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ይውሰኽ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ክልቲኦም ወገናት ኣፈላላዮም ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ምግላጾም ስዒቡ ድማ፡ እቲ ንሞት ኣሻሓትን ምፍንቓል ሚዮናትን ምኽንያት ዝኾነ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







